ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲ ዘመን እምብለይ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ኢልና ተቓሊስና ብምዕዋት፡ ኤርትራን ኤርትራዉነትን ኣረጋጊጽና ኢና። እንተኾነ ኣብ ዉሽጢ ሰውራና ኣድብዮም ዝጸንሑ ጎሓላሉ፡ ቃልስና ጨውዮም፡ ድሌትናን ራእናን ኣምኪኖም። ነዚ ወሪዱና ዘሎ ኩሉ ዓይነት ዕንወትን ብርሰትን ምቅላዕና ከይኣክል ነታ ብደም ጀጋኑ ዝረኸብናያ ናጽነት’ዉን ናብ ዋጋ ዕዳጋ የውርድዋ ኣሎዉ፡፡ ነዚ ብኣጋ ዝተረደአ ኤርትራዊ ሎሚ እዉን ከም ቀደም ኣሰር ወለዱ ብምኽታል ፡ ብደገ “ይኣክል” ብዉሽጢ ዓዲ ድማ “ፈንቅል” ኢሉ ቃልሲ ንምድሓን ሃገርን ህዝብን ተተሓሒዝዎ ኣሎ። ንቁልጡፍ ዓወት ዉሁድ ቃልሲ ስለዝሓትት እንሆ ድማ “ይኣክል” ምስ “ፈንቅል” ዓቕሞምን ክእለቶምን ኣወሃሂዶም ቃልሶም ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ከካይድዎ ምሉእ ምርድዳእ ብምግባር፡ ናይ ሓባር ጉዕዞ ምጅማሮም የበስሩ ኣሎዉ። እዚ ሓድነት እዚ ኣብ ሞንጎ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ፈንቅል ኣብ ዉሽጢ ኤርትራን፡ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ይኣክል ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ከይተሓጸረ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ደረጃ ዓለም ለኸ ክሰግር ክስረሓሉ እዩ። ብዘይጥርጥር ድማ ክዕወት እዩ። ስለዚ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዘለኻ ህዝብና፡ ሓይልታት ምክልኻል፡ ፖሊስ ኤርትራ፡ ጸጥታ፡ መንእሰያትን፡ ተማሃሮን ወዘተ ኩሉኹም፡ ኣካልን ኣምሳልን ይኣክልን ፈንቅልን ኮይንኩም ብጉልበት፡ ብንዋት፡ ብሓበሬታ፡ ወዘተ ኣብ ጎድኒ ፈንቅል ኮይንኩም ኣብ ሕምብርቲ ህግደፍ “ይኣክል” ክትብሉን፡ ክትዉደቡን ክትቃለሱን፡ ህግደፍ ኣብቂዑ ኤርትራዉያን ኣብ ሃገርና ቅዋማዊ፡ ህዝባዊ ስርዓት ክንተክል፡ ሕድሪ ሰማእታትና ክንድብስን ጻዉዒትና ነቕርብ። ኣብ ዝሓጸረ ህግደፍ ተጓሒፉ ህዝባዊ ስርዓት ክትከል፡ ሰላም ክሰፍን፡ ህዝብና ክተኣኻኸብ፡ ወነንትን ቀየስትን መጻኢና ከም ንኸውን ኣይንጠራጠርን።

ይኣክልን ፈንቅልን ሰረገላ መሰረታዊ ለውጢ
ይኣክል + ፈንቅል = ይከኣል

ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

ምንቅስቃስ ፈንቅል ኤርትራ

06/01/2020