ጸቢብ ናይ ነጥቢ ፍልልያ ንጽዋእ ላሊጋ መን ኣልዓላ ኣብ ሞንጎ ባርሳን ማድሪድን፥ ብመሪሕነት ባርሳ ብናይ 2 ነጥቢ ፍልልይ ካብ ማድሪድ  ይቕጽል።

እንተኾነ ግን ክልቲ ኤን ጋንታታት ኣይተኣማመናን ፣ብፍላይ ባርሳ ካብ ሜዳኣ ወጽያ ነጥቢ ኣብ 11 ኣጋጣሚታት ምኽሳራ ዘይርሳዕ ተዘክሮ እዩ።ቁጠባዊ ጸገም ንኣሰልጣኒ ኲኬ ሰቴን መሰናኽል ኮይንዎ ምስ ምጽንሑ፣ እዚ ኣሰልጣኒ ኣብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ 18 ብቑዓት ተሰለፍቲ ጥራሕ ዘለዉዋ ጋንታ ብዘይ ገንዘብ ከሰልጥን ድሕሪ ምምዛዙ እዩ ፣ ደምበለ ኣውጺኽእ ማለትዩ ፣ ንሱ ብመስበርቲ ንዘይተወሰነ ግዜ ተኣልዩ ስለ ዘሎ።

ሰቴን ኣብ መስመር ምክልኻል ሕጽረታት ኣጋጢምዎ ከም ዘሎ እዩ ዝንገር ዘሎ፣ ክለመንት ለንግለት ምስ ምእጋዱ ፣ሳምዌል ኡምቲቲ ካብ ብዙሕ ተደጋጋሚ መስበርቲ ገና ሕጂ ምምላሱ ፣ ጀራርድ ፒክዌ ጥራሕ እዩ ኣብ ማእከል ምክልኻል ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ዝርከብ ተኸላኻላይ እዛ ጋንታ፣ ኣብ ዝቕጽል ጸወታ ምስ ረያል ማሎርካ ዝስለፍ።

መንእሰይ ኡራጋዊ ሮናልድ ኣራኾ ፣ ኣብ እንኮ ቀዳማይ ምስላፍ ኣብዛ ክለብ ኣብ ፣ መበል 14 ደቓይቕ ካብ ጸወታ ዝተባረረ ፣ ድማ ኣብዚ ጸወታ ከም እንኮ ኣማራጺ ክስለፍ ትጽቢት ይግበረሉ።

ሕእይሊ ባርሳ ኩልና ከም ንፈልጦ ኣብ መስመር መጥቃዕቲ እዩ፣ ሊዮኔል ሜሲ መራሒ ብዝሒ ሽቶታት ናይዛ ዓመት (19 ጎላት /ኣብ 22 ጸወታታት)፣ ተወሳኺ ድርዒ ዝኾኖ ስዋረዝ ድማ ሳላ ኮሮና ናብ ንቡር ተመሊሱ ኣሎ።.

ምውህሃድ ሜሲ ምስ ስዋረዝ ግን ንባርሳ ጽዋእ ላ ሊጋ ክትዓትር እኹል ኣይኮነን፣ኣብ ሞንጎ ተጻወትቲ ወሪዱ ዘሎ ዘይምስምማዕ ንሰቴን ካልእ ዓቢ መሰናኽል ኮይንዎ ይርከብ፣

ሜሲ በዚ ዝኾነ ዓይነት ጽዋእ ኣልዒሉ ዘይፈልጥ ኣሰልጣኒ ክምራሕ ዝፈተወ ኣይመስልን፣ ሜዳኖ እዛ ክለብ ዝኾኑ ኣርተር፣ ራኪቲች፣ ምስ ኣርቱሮ ቪዳል ካብቶም ምውህሃድ እዛ ክለብ ዘሪጎም ዘለዉ ሙኻኖም ክጥቀስ ቀንዩ ኣሎ።

ሕጽረታት ተጻወቲ ኣብ ማድሪድ ምስ ንዕዘብ ኣንጻር ባርሳ ኮይኑ ንረኽቦ፣ ኣሰንስዮን ሃዛርድን ናብ ንቡር ኩነታት ተመሊሶም ይርከቡ።

እቲ ሕቶ ኮይኑ ዘሎ ካብዞም ብዙሓት ኣጥቃዕቲ መንዩ ንናይ ዘይዳን ሸቶ ክሃርም ዝኽእል እዩ /

ቤንዘማ ቅድሚ ወርሒ ጥሪ 12 ሸቶታት ካብ 14 ጸወታታት ከመዝግብ ከሎ እቶም ካልኦት ሃዛርድ ዝርከብዎም 7 ኣጥቃዕቲ እዛ ክለብ ግን ኣብ ኩሎም 12 ጎላት ጥራሕ እዮም ኣመዝጊቦም።

ወላኳ ማድሪድ ኣብ መወዳእታ ቅድሚ ጸወታ ምቁራጹ ካብ 4 ጸወታታት 3 ተሳዒራ እንተ ነበረት ፣ ብሓፈሻ ካብ ባርሳ ዝሓሸ ብቕዕእት እያ ኣርእያ ሎሚ ዓመት፣ ግን ኣብ ሳንዱቕ ፔናሊትይ ብዘለዋ ጉድለታት ጽዋኣ ላ ሊጋ ርእያ ከይትስእና ዘጠራጥር እዩ።