ሓበራዊ መግለጺ ተመሃሮ ቤት ትም. ሰውራ ነበር፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብሩ፡
———————————————————————
ዎ  ክቡር ህዝቢ ኤርትራ !
ዎ ክቡር ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤረትራ!
—————————————-
ኲልና ከም እንፈልጦ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ዝኣክል ውርደትን ስቓይን፡ መከራን ስደትን እናተበራረዩ ክድህኲኻ ጸኒሖም’ዮም። ገለ ግዜ’ውን ነቲ ክምህ ዘይብል፡ ዘይጽንቀቕ ዓቕልኻን ልቦናኻን ዝፈታትኑ፡ ኣዝዮም በዳህቲ ናይ መነባብሮ ጸገማትን፡ ስእነት ስራሕን፡ ሰላምን ርግኣትን ሂወትካ ንዝዘርጒ፡ ከይፈተኻ ክብርኻ ናብ ዋጋ-ዕዳጋ ከም ተእቱ ዝገብሩ መድረኻት ክኽሰቱ ጸንሖም’ዮም። በዚ ምኽንያት ከኣ፡ ንሞትን ማእሰርትን፡ ንስደትን ተፈሪድካ፥ ንብዓትን ሓዘንን ቀለብካ ካብ ዝዀኑ ዉሑድ ግዜ ኣይሓለፈን።
እዚ ዂሉ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ብድሆታት ግን፡ “እንታይ ዘምጸኦ’ዩ፧!” ኢልና ብዂፉት ልብን ሓንጎልን ኣብ ንሓተሉ ግዜ፡ መበገሲኡ እዚ ኣብ ታሕቲ ክንጋልጾ ሓሲብና ዘለና ናይ ሓባር ጸላኢ’ዩ። ንሱ ድማ፡  “ህግድፍ” ዝብሃል  ናይ ዕንወትን ጥፍኣትን ትካል’ዩ።
ከም’ቲ ኲልና ዘይንስሕቶ፡ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ ኣብ ተኣፋፊ ደረጃ በጺሑ ኣብ ዘለወሉ ህሞት፡ ንሕና ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነበር፡ ምስ ውጹዕ ሓፋሽ ህዝብና ብምዃን፡ ነዚ ሓበራዊ መግለጺ ኣንጻር እቲ ዓማጽን ገባትን ስርዓት ህግደፍ መልእኽትና ንህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ነመሓላልፍ ኣለና።
ወልቀ-መላኺ ይሁዳ ኢሳይያስን ቤት ጽሕፈቱን፤ እቶም ዉሑዳት ኢዴ-በዛ ዝዀኑ ኮራዂሩን ካብ ሕግን ፍትሓዊ-ቕዋምን ሃዲሞም ንልዕሊ 20 ዓመታት ትሕቲ-ጉጭ ልዕሊ-ጉጭ እናበሉ ከዕጠጡዩ ምጽንሖም እምባኣር፡ ካብ ማንም ኤርትራዊ ዝተኸወለ ኣይኰነን። ብምልኦም ዝተኣትዉ  መብጻዓታት ተጠሊሞም  ነበረያ-ነበረ ኰይኖም ኣለዉ።
እቲ ፍጥር ክብል ብግፍዒ ዝጀመረን፡ ክሳብ መወዳእታ ኣብ ትሕቲ ግፍዒ ንህዝቢ ክሕይርን ከሰራጥን ዝመረጸ ይሁድ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡  ብዝተሃንደሰ ውዲት፤ ሎሚ፡ ኤርትራ ብቑጠባ ውድቕቲ ምስ ጐረባብታ ድማ ሰላምን ምርግጋእን ዘይብላ ሃገር ኰይና’ላ። ዕንወት እንተ-ዘይኰይኑ፡ ህንጸትን ልምዓትን ዘይርኣየላ፡ ብዓቢኡ’ውን እቲ ምንጪ ህላውኣን ስልጣኔኣን ክኸውን ዝነበሮ ህዝባ በርጊጒ ዝጠፍኣላ ዝነደየት ሃገር ኰይና’ላ።
ነቲ ኣብ ዓዲ ተሪፉ ዘሎ ህዝቢ እውን ኰነ ኢልካ ንምጽናቱ፡ መንነቱን ክብርታቱን ኣጥፊእካ፡ ሃገራዊ ንቕሓቱ ባይታ ከም ዝዘብጥ ብምግባር ብሓይሊ ንምምብርካዂ ኲሉ ዝከኣል ይስራሕ ኣሎ። እቲ ዝያዳ ዘሕዝን ድማ፡ እዚ ዂሉ ዝግበር ዘሎ፡ ነቲ ብሉጻት ከፊልናን፡ ናይ ንእስነትና መዋእል ኣባኽናን ስዒርናዮ እንብሎ፡ ጭርሖታትን ፖሊስን፡ “ኤርትራ መሬታ ‘ምበር ህዝባስ ኣየድልየናን’ዩ!” ዝበሃል ዝነበረ ኢምብራጦርያዊ  ጭርሖታትን ፖሊስታትን ገዛእቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ብግብሪ፡ በቲ ባዕልና ብደምናን ረሃጽናን ዝሃነጽናዮ ውድብ ብስዉርን ብሰላሕታን ክፍጸም ምርኣይና’ዩ።
ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ሕሱም መቚሕ ህግደፍ ክወርዶ ዘሎ ኣደራዕን ስቓይን፡  መከራን፡ ድቊርናን ድሕረትን ጥሜትን ስደትን መእሰርትን መዳረግቲ ኣልቦ ኰይኑ‘ሎ።
ኣብ ልዕለኻ ካብ ነዊሕ ዓመታት ከዂዲዱ ዝጽንሑ ናይ ውዲት ሜላታት ንኸይተስብህለሉ፡ ኣንፈትካ ናብ ናይ ደገ ዝበሎም ጸላእቲ ጥራይ ከም ተቕንዕ ብምግባር፡ ክሳድካ ንየማነ-ጸጋም ጠዋዉኻ ንኸይትርኢ፡ ብስም ወያኔን ናይ ሽበራ-ሓይልታትን ብዝብሉ ፖሮፖጋንዳታት ንልዕሊ 20 ዓመታት ክሓባቡሉኻ ጸኒሖምን፡ ጌና’ውን ኣለዉን።
እዚ ፋሽሽታዊ ስርዓት’ዚ፡ ነቶም ካብ ከርስኻ ዝበቘሉ ደቅኻ ከይተረፈ ብምዕጣቕ፡ ኣንጻርካ ከምዝልዓሉ ብምግባር፡  “ሰራዊትን ኤርትራ” ብዝብል ቅጽል-ስም ብምሃብ ናይ “ገረብ ብሓኽላ ” ዘይቅዱስ ተግባር ኣብ ምፍጻም ይርከብ‘ሎ። እዚ ሰራዊት’ዚ፡ ሰራዊት  ናይ ሃገርን ህዝብን ምዃኑ ኣሚኑ፡ ከገልግል እምበር ኣገልጋሊ ምልኪ ኰይኑ ክቕጽል ኣምበይ-ምተገብኦን። ንስኻ’ውን እቲ ኲነታት ከምኡ ንኽኸዉን ከተፍቅድ ኣይግብኣካን። ብረትካ ኣንጻር እቲ ንህዝቢ ዝጒዕጽጽ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ስርዓት እምበር፡ ኣንጻር ሰለማዊ ህዝብኻ ክቐንዕ ኣይግባእን።
እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፈኤ ድማ፡ ቊጠባውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ምዕባለታት ጅሆ ተታሕዙ ከይዓብን ከይስስንን ከም ጻሃያይ ጉልሕንጣ ሓኒቘም ብምሓዝ ኣመግዲሮሞ ይርከቡ። ኣብዚ ህሞት’ዚ፡ ኣብ ኤርትራ እዚ ስርዓት እዚ፡ ህዝቢ ናይ ምጽናትን ስርቅን ዝምታን መደባቱ ግሁዳት ኮይኖም ኣለዉ። ብኡ ኣቢልካ’ውን ሃብቲ ሃገርን ህዝብን ንምቊጽጻር ካብ ነዊሕ ክስራሓሉ ዝጸንሐ፡ ህግደፋዊ ስነ-ሓሳብ ብምዃኑ፡ ካብዚ ሓኒቚ ሒዙካ ዘሎ መጻወድያ ንምዉጻእ ፈንጥርጠር ምባል’ውን ንህይወትካ ከትድሕነሉ እትኽእል ባይታ ምንዳይ  እዋኑ ዝጠልቦ ጒዳይ ምዃኑ ክትዝንግዕ ኣይግባእን።
ካድረታት ህግደፍ ንኣፍራዪ ሰብኣዊ ዓቕሚ ኤርትራ ከም ዝባኽን ብምግባር፡ ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ኤርትራ ኣብ መወዳአታ ዘይብሉ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝጽዋዕ ባርነት ብምጽማድ፡ ኣብ መሳርዕ ሓይልታት ምክልኻል ብምምዳብን፡ ብስም ሃገራዊ ስግኣት ተባሂሉ ስልጣን ውልቂ-መላኺ ኢሳይያስ ንምውሓስ ኣፍራይነት ኣብ ዘይብሉ ኰንቱ ስራሕ ጸሚድዎ’ሎ። ኣብ ሕሱር ሽቅለትን ብዘይ ሞያን ብዘይ ትምህርትን ብዘይ ምያን፡ ናብራን ሓዳርን ኣብ በረኻታት ዕድሚኦም ከም ዝባኽን ኮይኑ ኣሎ።
ይሁዳ ኢሳይያስ፡ ቤት ጽሕፈቱን፡ ብስም ሃገራዊ ክሕደት (Treason)፡ ንጹሃት ኤረትራውያን ኣብ ምስዋርን፡ ኣብ ምእሳርን ምቕታልን ምህጋርን ምርሳይን ዝተፈልጠ ናይ ዓለምና ማፍያ ከም ምዃኑ መጠን፡ ብምጥፍፋእ ገንዝብን ንብረትን ኤርትራውያን ዜጋታት ብምብትታን ስድራ-ቤታትን ተሓተቲ ምዃኖም፡ ኲሉ ተገንዚብዎ ዘሎ ሓቂ’ዩ።
ኣብ መደምደምታ ክንብሎ እንደሊ እምባኣር፡ ንሕና ከም ዕባይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ መጠን፡ ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ተራና እንታይ ይዂን፧! ዝብል እውናዊ ሕቶ’ዩ። እቲ ስርዓት ነቶም ኣብ በረኻታት ሳሕል ክንዓቢ እንከለና፡ ዝኣትወልና ዝነበረ መብጽዓታት ንብምልኦም ጠልሚዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣንጻሮም እዩ ይኸይድ ዘሎ። ኣብ ከምዚ ኲነታት፡ ብትብዓት ተላዒልና፡ “ኣበይ’ሎ እቲ መብጽዓታት!” ክንብል ክንክእል ኣለና። ልክዕ ንኸምቲ ናይ ትማሊ ቅያ ንናጽነት፡ ሕጂ’ውን ንፋሽሽታዊ ማፍያ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ንምብርቋቕ ብውሽጥን ብደገን ምስ ዘለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ኢድን-ጓንትን ኰይና ክንሰርሕን “ሳቮያ” ክንብልን ይግባእ።
በዚ ኣጋጣሚ ድማ፡ ልዕሊ 477 ዝኾኑ  ተማሃሮ  ቤት ትምህርቲ ስዉራ ነበር ኣስማትናን ክታምናን ዚተሰነየ ምዃኑ እናሓበርና ፡ ኣብ ደገ ንዘሎ ናይ “ይኣክል” ምንቅስቓስ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሻጢ ሓይልታት ምክልኻል ንዘሎ ናይ ለውጢ ምልዕዓላት ምሉእ ደገፍና ንገልጽ ኣለና። ድሮ ርክባትና ጀሚርና ምህላውና እውን ከነበስር ንደሊ።
ሰላምን ቅሳነትን ጽቡቕ ጒርብትናን ንህዝቢ ኤርትራ!
ውድቀት ንፋሽሽታውያን ህግደፍ!!
07/29/2020