****መግለጺ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንድሕነት ሃገር፡ ከተማ ሻርለትን ከባቢኣን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ሃገርና ዞባናን***
ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንድሕነት ሃገር፡ ከተማ ሻርለትን ከባቢኣን ነሓሰ 1, 2020 ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት
ሃገርናን ዞባናን ዕሙቕ ዝበለ ዘተ ኣካይዱ።
ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝብና ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ቅልውላው ከምዝረከብ ብምርዳእ፣ እዚ ስርዓት
ብዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ናይ ውሽጥን ደገን ፖሊሲታት፡ ሃገርና ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ከምዘላ
ብምርዳእ፣ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዝገብሮ ዘሎ
ሚስጢራዊ ስምምዓትን ርክባትን ንረብሓ ህዝብናን ሃገርናን ዘይኮነስ፡ ንሃገራዊ ሉዓላውነትና ኣብ ሓደጋ
ዘእትው ከምዝኾነ ብምግንዛብ፣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ግርጭት፡ ንህዝብናን ሃገርናን
ከኸትሎ ዝኽእል ከቢድ ሳዕቤን ብምግንዛብ፣ ከምኡ’ውን ምስ’ቲ ገዲም ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ “
ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝዓቢ ጸላኢ የብሉን” ዝበሎ ብምስምማዕ፡ ከተማና ነዚ
ዝስዕብ መርገጺ ትወስድ፦
1. ሃገራዊ ናጽነትና፡ ሉዓላውነትናን ህዝባዊ ሓድነትናን ምስ ዘኽብር ዝኾነ ሓይሊ ኣብ
ሓባራዊ ጉዳይና ክንሰርሐ ከምንኽእል፡
2. ገዲም ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ንዝወሰዶ ተባዕ ተበግሶ ንድግፍ፡
3. ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ፡ ረብሓ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓፈሻ፡ ረብሓ
ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ድማ ብፍላይ ከምዝኾነ ንኣምን።
ብተወሳኺ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንድሕነት ሃገር፡ ከተማ ሻርለትን ከባቢኣን ነዚ ዝስዕብ ለበዋታት
ነቕርብ፦
● ሰራዊት ኤርትራ፡ ነዚ አጽናቲ ስርዓት ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝዳለወሉ ዘሎ ኩናት፡
ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘከትሎ ከቢድ ሳዕቤን ተገንዚቡ፡ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ብረት፡ ኣንጻር’ዚ
ስርዓት ከቅንዕ ንጽውዕ።
● ኩለን ብህዝባዊ ምንቅስቓስ ተጠርኒፈን ዘለዋ ከተማታት ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ ኣብዚ
ጉዳይ ክዛተያን፣ ተዛትየን መርገጺኤን ከነጽራን።
● ከምኡ’ውን ባይቶ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ’ዚ ጉዳይ መርገጺኡ ኣነጺሩ ወግዓዊ ክገብር ብትሕትና
ንሓትት።
● ኩለን ህዝባዊ መራኸቢታትና፡ ንርክብ ህዝብታት ኤርትራን ህዝብታት ዞባናን ናብ ንቡር
ንምምላስ ኣበርቲዐን ክሰርሓ ድማ ንጽውዕ።
● ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ከከተማና ንዝረከቡ ደለይቲ ፍትሒ፡ ሓድነቶም ምእንቲ ከደልድሉ ብጽፈት
ክንውድብን፡ ነቶም ክሳብ ሕጂ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ደምበ ፍትሒ ዘይተጸንበሩ ዜጋታትና
ድማ ጽዑቕ ጎስጓስ ብምግባር ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቦም ደው ክብሉ ዓቕምና ዘፍቀዶ ክንሰርሕ
ንላቦ።
ነሓሰ 24 2020
ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንድሕነት ሃገር፡ ከተማ ሻርለትን ከባቢኣን