***ናይ ህዝቢ ኤርትራ እንኮ ምርጫ ሰላም ኢዩ፡ ***
***ጸዋዒት ዓለምለኻዊ ተበግሶ ባይቶታት ይኣክል፡***
ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ህዝቢ ውጽኢት ውግእን ወረ ውግእን ዝፈልጥ፡ ብሰንኪ ሕማቕ ታሪኻዊ ኣጋጣሚታት ብናይ ውግእ ሓለንጊ ዝተገርፈ፡ ብሰንኪ ውግእ ናይ ኣእላፋት ህይወት ዜጋታቱ ዝሰኣነ፡ ዓድታቱ ዝባደመ፡ እዚ ኢልካ ክትጽብጽቦ ዘይክኣል ታእላው ዘይብሉ ህይወትን ዕድላትን ንብረትን ዘጥፍአ ህዝቢ’ዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ውግእ ከም መፍትሒ ሽግራት ከተቕርበሉ ዘይቅቡልን ዘይክውንነታዊ ኣማራጺ ስለዝኾነ፡ ኩናት ብኹሉ ኤርትራዊ ክንጸግን ክኹነን ንጽውዕ።
እቲ ንህዝብን ሃገርን ዘጽንትን ዘባድምን ዘሎ ኣጽናቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ’ቲ ብዶብ ኣሳቢቡ ዝወልዖ ኩናት ብዘይብቑዕ መሪሕነትን ምድላውን ነቶም ካብ መስዋእቲ ቃልሲ ንናጽነት ሃገር ዝተረፉ ተጋደልትን ነቶም ናጽነት ዝተረከቡ ሕልሚ ዝሓለፉ ወለዶታት ዝኾኑ መንእሰያት ኤርትራ ከም ዝሃልቁ ከም ዝገበረ ንርስዖ ኣይኮነን። ድሕሪ ዶባዊ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ፡ ‘ዶብና ኣይተሓንጸጸን’ ‘ኣብ ናይ ኣይሰላም ኣይኩናት ሃዋሁ ኢና ዘለና’ ኢሉ ነቶም ተረፍ ናይቲ ኣጽናቲ ኩናት ዝኾኑ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ገደብ ኣልቦ ግዱድ ዕስክርና ከም ዝቛረኑ ብምግባር፡ ግዳይ ባርነትን ድኽነትን ከም ዝኾኑ ጌርዎም ኢዩ። ካብ’ቲ ዘይንቡር ባርነት ንኽሃድሙ ከይፈተዉ እግሮም ናብ ዝመርሖም ክስደዱ፡ ኣብ ኣብያተ ማሕዩርን ዶባት ኤርትራን ብጥይት ኣሕዋቶም ተዛሕዚሖም። ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ጎረባብቲ ሃገራት ተዋሪዶምን ተኸላቢቶምን። ኣብ ምድረበዳ ሳህራን ሲናይን ተሳቕዮምን ኣካላቶ ተመዝሒቑ ኣብ ዕዳጋ ውዒሉን። ኣብ ልቢያ ከም ባርያ ተሸይጦም ማእከላይ ባሕሪ ከኣ ሃሊቖምን ብኣሊፍ ጠፊኦምን ኢዮም። እዚ ክትገልጾን ክትጽብጽቦን ዘይክኣል ኩለንተናዊ ዕንወት፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ብኩናትን ድሕረ ኩናትን ተሳቢቡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ኣደራዕ ኢዩ ኔሩ።
ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ እታ ንዘበናት ዝበሃጋን ብኩለንተንኡ ዝምነያን ሕልሙ እኳ እንተኾነት፡ እቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኻይዱ ዝተባህለ ስማዊ ሰላም ግን፡ ኣብ መንጎ ኣጽናቲ ኢሳያይስ ኣፈወርቅን ኣቶ ኣብይ ኣሕመድን ዝተገብረ፡ ናጽነትን ልኣላውነትን ኤርትራ ዝግህስ፡ ንቐይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያውያን ኣሕሊፉ ዝህብ ምስጢራዊ ውጥናት ኢዩ ኔሩ። ኣጽናቲ ኢሰይያስ ኣፈወርቂ “ኣይከሰርናን” ኢሉ ጀምሩ ክሳዕ ናጽነትን ኤርትራን ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን ንምኽዳዕ ዝመደሮ መደርን ዘርኣዮ ባህርያትን ዝተፈራረሞ ምስጢራዊ ውዑላትን፡ ምስ ተዓዘበ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝነብር ኤርትራዊ “ይኣክል” ኢሉ ተላዒሉ። ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዝኾነ ይኹን በደልን ንናጽነትን ልኣላውነትን ኤርትራ ዝደፍር ዝኾነ ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ ሓይልን ኣይንጻወሮን ኢና ይኣክል ንብል ኣለና ኢሉ እንብይትኡ ብዓውታ ኣቃሊሑ። ህዝባውነት ንምውሓስ ህዝቢ ዓቢ ተስፋ ኣንቢሩሉ ዘሎ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ምንቕስቓስ ባይቶታት ይኣክል፡ ካብ’ዚ ክቱር ሃገራዊ ሕራነ ዝተወልደ እዩ። ከም መቀጸልታ እንቢታና፡ ነዚ ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘይረብሓሉን ዘይምልከቶን ኣጽናቲ ኩናት’ውን ይኣክል ኢልና ተቛውሞና ንገልጽ ኣለና።
ኣጽናቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብመሰረት እቲ ምስ ኣቶ ኣብይ ኣሕመድ ዝተፈራረሞ ምስጢራዊ ውዑላት፡ ዕድል መጻኢ ኤርትራን ህዝባን ምስ ስልጣን ኣቶ ኣብይ ኣሕመድን ምርጫ ብልጽግና ፓርትን ከቛርኖ ይጽዕር ኣሎ። ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ከም ቀንዲ ጉዳዩ ሒዙ፡ እንትርፎ ንሱን ውሑዳትን ዝፈልጥዎ ውጥናት ንምትግባር፡ ብተደጋጋሚ ንኢትዮጵያ ክመላለስ ተዓዚብናዮ ኢና። ባዕሉ ኣብ’ቲ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ብግህዶ ከም ዝሓበሮ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ከም ናይ ካልእ ሃገር ጉዳይ ዘይኮነ ከም ናይ ሃገሩ ጉዳይ ከም ዝሓስቦን ኣዝዩ ከም ዘገድሶን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ምዕባለ፡ ዝተኸፍለ ዋጋ ይከፈል ክሳተፎ ምኻኑን ኢዱ ኣጣሚሩ ክዕዘቦ ከም ዘይኮነን ብቓልዕ ሓቢሩ’ዩ። ኣብዚ ስርዓት ኣቶ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ተፋጢጡ ናይ ኩናት ነጋሪት ዝወቕዓሉ ዘሎ ወሳንን ተሃዋስን እዋን፡ ኣጽናቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንኣቶ ኣብይን ንብልጽግና ፓርትን ንምሕጋዝ፡ ከም ኣመሉ ዝተወረረ መሬትና ንምምላስ ብዝብል ሰበብ ንህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ኩናት ክእትዎ ይሻባሸብ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ዘለና ጉዳይ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ እቲ ኩሉ ዝሓለፈ ሃገራዊ ጥፍኣትን ህልቂትን ተመሊሱ ኣብ ዘይምልከቶን ዘይረብሓሉን ኩናት ዘእቱ የብሉን። እሞ ከኣ ነቲ ከም ዝሓለፉ ስርዓታት ኢትዮጵያ ብናይ ምስፍሕፋሕ ሕልሚ ዝተሰረየ፡ ኢዱ ንሰላም ዝዘርግሐ ክመስል ኣዕይንቱን ኣቓልቦኡን ናብ ቀይሕ ባሕርና ዘማዕዱ ዘሎ ናጽነትን ልኣላውነትን ኤርትራ ዘይኣምን፡ ኣሃዳዊ ስርዓት ንኽተክል ዝሕልን ዘሎ ኣቶ ኣብይ ኣሕመድን ብልጽግና ፓርትን ንምሕጋዝ፡ ኣብ ኩናት ምእታው ንህዝቢ ኤርትራ ፍጹም ምርጭኡ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ግዜ ምርጭኡ ሰላም’ዩ። ምስቶም ንሰላም ዝጽውዑ ዘለዉ ሰላማውያን ሓይልታት ከም ዝውግን ከኣ ንማትኣሉ ጉዳይ ኣይኮነን። ውሽጣዊ ሽግራት ኢትዮጵያ ብዘተን ዕርቕን መታን ክፍታሕ፡ ክሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ናይ ኢትዮጵያ ንሰላም ክጽዕቱን፡ ዘሎ ሰለማዊ ኣገባብ ክጥቀመሉ ጻውዒትና ነቕርብ።
ኣብ’ዚ ኣዝዩ ፈታኒ ቕልጡፍ ዞባዊ ምዕባለታት ዝርኣይሉ ዘለዉ እዋን፡ ከም ኤርትራውያን ድምጽናን ረብሓናን ክንሕሉ ከቢድ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣሎና። ልዕሊ ማንም ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ዞባናን ዝፍጠሩ ምዕባለታት ህላዌን መጻእን ኤርትራ ብቐጥታ ከምዝጸልዉ ታሪኽና ዝምስክሮ እዩ። ሕጂ’ውን፡ ህላወን መጻእን እዛ ብብዙሕ መከራ ዝሓለፈት ሃገርና ኤርትራ፡ ብጠለምትን ብባዕዳውያንን ሓንሳብን ንሓዋሩን ክውሰን፡ ኢድና ኣጣሚርና ክንርኢ ሃየንታ እዩ እሞ፡ ንውሕስነት ሃገርናን ህዝብና ክሉ ኣእማን ክንፍቕል ይግባእ። ኣብ ንጹር ሃገራዊ ረብሓናን ልኡላውነት ሀገርን ዝተሞርኮሰ፡ ስትራተጂካውያን መሻርኽቲ ከነናዲ ውዓል ሕደር ዘይብሃሎ፡ እዋናዊ ስጉምቲ እዩ።
ብሕቶ ዶብ ተሳቢቡ ዝተወልዐ ኩናት ኤርትራ ሃገርና ማዕረ ክንደይ ከም ዝተጎድአትን ንድሕሪት ከም ዝተጎተተትን፡ ንሃገር ክሃንጹን ከመሓድሩን ዝግብኦም መንእሰያት ኤርትራ ኣብቲ ኩናት ኣትዮም ከም ዝሃልቑ ንርስዖ ኣይኮናን። እዚ ኹሉ ዋጋ ተኸፊሉ፡ ቆልዑት ዘኽቲሞም፡ ኣዴታት ወላድ መኻን ኮይነን፡ ስድራቤታት ጸኒተን ከይክል፡ ኣጽናቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግን “ኣይከሰርናን ንብረትና ኣምሊስና ኢና፡ ሕቶ ዶብ ከኣ ቀዳምነትና ኣይኮነን” ኢሉ ክምድር ኢና ሰሚዕናዮ። እዚ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ክኣትዎ ዝሕሰብ ዘሎ ኩናት፡ ዞባዊ ኩናት ጥራይ ዘይኮነ ኣበይን መኣስን ከም ዝውዳእ’ውን ክትንበዮ ዝክኣል ኣይኮነን። ኣጽናቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንልኡላውነት ኤርትራ ክድምስስ ምስ ኣቶ ኣብይ ኣሕመድ ከካይዶ ዝሓለነ ህላወ ኤርትራ ካብ ካርታ ዓለም ዝሓክኽ ሓደገኛ ውጥን፡ ንህላዌኦም ክብሉ እቶም ቀንዲ ዕንቅፋት ዝኾንዎ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ምኻኖም ክንስሕቶ ኣይግብኣናን። ኣንጻር እዞም ንህላዌ ኤርትራን ህዝባን ሓጋዚ ተራ ዘለዎም ኩናት ክትውልዕ ምፍታን ብዘይካ ኣብቲ ኩናት ዝሃልቕ መንእሰይ፡ ህላወ ኤርትራን ህዝባን’ውን ኣብ ሓደጋ ምእታው ስለ ዝኾነ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ምንቕስቓስ ባይቶታት ይኣክል ንኹሉ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል፡ ፖሊስን ጸጥታን ኤርትራን ንኹሎም ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምኒስተራትን ሓለፍቲ ግንባርን፡ ኣንጻር ኣጽናቲ ኢሰያስ ኣፈወርቒን ኣንጻር ኩናትን ደው ክትብሉ ንጽውዕ።
ህዝቢ ኤርትራ ንሓዉን ጐረቤቱን ዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላምን ምዕባለ ይምነየሉ።
ንሓርነት ብሓድነት!
ዓለምለኻዊ ተበግሶ ምንቕስቕስ ባይቶታት ይኣክል
ባይቶ ይኣክል ስዊትዘርላንድ፡
ባይቶ ይኣክል ዓባይ ብሪጣንያ
ባይቶ ይኣክል ሽወደን
ምንቕስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን ኣብ ዴንማርክ
ጽላል ይኣክል ካናዳ
ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ
ጽላል ይኣክል ፈረንሳ