ብ ምሉእ ዘርእዝጊ [https://www.facebook.com/mulue.zerezgi]
ደብሪ ፖለቲካ ፍትሒ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይኹን መላእ ኣፍሪቃ ከማና ጌሩ ንፍትሒ ዝተቓለሰ ወይ ውን ንናጽነትን መሰልን ዝተዋደቐ፣ ዘሎ ኣይኮነን፣እንተድኣ ሃልዩ ድማ ኣዝዩ ውሑድ ጥራሕ ዩ። ንሓበንን ንባዶ ጃህራን ዘይኮነ ድማ፣ብሓቅን ብእምነትን ስለዝተሰርሓሉ ዘካትዕ ኣይመስለንን። ንሕና ኤርትራውያን ድማ ነዚ ንፈልጦን ንግንዘቦን እኳ እንተኾንና፣ነዚ ድሒርና ንስሕኖ ዘሎና ሓዊ ከነስተብህለሉን ክንርእዮን ዘይምኽኣልና እቲ ካልእ ሰናርዮ ናይቲ ጸወታ ዩ። እምብኣርከስ ፖለቲካና ፖለቲካ ፍትሒ እንታይ ዩ ዝገብር ዘሎ? ከድምዕ ዘይምኽኣሉ ኸ እንታይ ዩ ጸገሙ? ኢልና ክንመያየጥ ይግብኣና ዩ፣ኣብ ፍልልይና ክረብሕ ዝደሊ ኣሎ ዶ? መንዩ ኸ? ህግደፍ? ባዕልና ኣባላት ወይ ውን እቶም ተቓልሰቲ ምእንቲ ፍትሒ?
እምብኣርከስ ደብሪ ማለት፡ኩልና ከም ንርድኦ ንዓለም መኒንካ ዝንበሮ ቦታ’ዩ። ብዛዕባ ምቕዳሱን ዘይምቕዳሱን ኣብዚ ኣርእስትና ኣይኮነን። ሰባት ግን ንደብሪ ክኸዱ እንከለው፡ንዓለም ብምልእታ ራሕሪሖም ዮም ዝኸዱ። ጥቕሚ ገንዘብ፡ ስምዒታት፡ ዝናታት፡ውሉዳቶም ከይተረፉንድሕሪት ይገድፉ። ምናልባት ኣብኡ ንዝዓበዩ ካብ ግዜ ህጻንነቶም ከም በዓል ጳጳስ ዘሃገረ ኤርትራ እቡነ ኣንጠንዮስ ዘይምልከት ክኸውን ይኽእል ዩ፡ንሳቶም ካብ ፈለማኦም ነዛ ዓለም በታ ገዳም ዮም ዝፈልጥዋ።ስለዚ ብዛዕባቶም ንዓለም ርእዮም ዝመነኑዋ የ ክዛረብን፣ክምስልን ደልየ።
ኣብዛ ናይ ኤርትራ ፖለቲካ፡ኩልና እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ክጥቀመልና ከምዝጸንሐ ክንኣምነሉ ይግባእ። ኣብ ኣርእስና ዝሰፈረ ህግደፍን መሪሕነቱን፡ንናይ ምሕሳብ ዓቕምና ውን ክሳብ ክድርቶ ተሞኲርና ኢና። ምናልባት ምስ ፍቕሪ ሃገር ከነዘናብዖ ኣይንፈትን። ዝኾነ ምኽንያት ክህልዎ ኣይክእልን ዩ። ኣብ ዝኾነ ሃገር ቋንቋኻን ሃይማኖትካን ሓደ ስለዝኾነ፡ ሓደ ትኸውን ማለትውን ኣይኮነን፣ሶማል ናይ ቀረባና ኣብነትያ። ኣብ ኤርትራ ድማ፡ ፍልልይና ኲኖ ትሽዓተ ብሄራት ዩ፡ምስ ናይ ሎሚ ፍልስፍና ብሄራት ከይሓዋወስኩ የ ዝዛረብ ዘለኹ። ትሽዓተ ይዂና ቴስዓ ኣይኮነን እቲ ጸገም ዘሎ።
ጸገምና ኣብ ኣተሓሳስባና ዩ! ኣተሓሳስባና ካብ መግዛእቲ ኣብ ዝኸድና ኬድና ነጻ ስለዘየውጻእናዮ ዩ። እቲ ሓደ ክርስትያን ስለዝኾነ ቤተክርስትያኑ ነጻ ከየውጽአ ብዛዕባ ክገብሮ ዘለዎ ናይ ፍትሒ ስራሕ በታ ጸባብ ናይ ሃይማኖቱ መንገዲ ክመላለስ ይደሊ፡ እቲ በዓል መስጊድ ድማ ካብ ተጋሩ እንተኾይኑ እቲ ሓገዝ ኣየድልየናን’ዩ ነቶም ተጋሩ መስጊድ ምስራሕ ከሊኦሞም ይብለካ፣ እቲ ሓደ እዞም ለውጢ ከምጽኡ ዝደልዩ ዘለዉ ደቂ ዓድና ኣይኮኑን ሞ ኣይንኣምኖምን ይደግመካ፣እቲ ካልእ ድማ እዚኦም ድኣ ሻዕብያ ዝሰርሖም እንድዮም እናበለ ንጀጋኑኡ ከቆናጽብ ትዕዘብ። እታ ናይ ፍትሒ ደምበ እዚኣ ስለዝኾነት ምስ ህግደፍ ይሕሸና ኢልና የቐንዝወካ ድማ እቲ ሓደ። ኣብዚ ክንዝንግዖ ዘይብልና እዞም ኩሎም ዘሕምሙና ዘለው ኤርትራ እንተዘየላ ከምዘየለው ክንርዳእ ይግብኣና’ዩ እመስለኒ።
መጀመርያ ጸላኢኻ እቲ ምስኻ ተሰዲዱ ዘሎ ዘይኮነ ፍሉጥን ንጹርን ጸላኢ ኣብ ኣስመራ ኦፍቾ ከፊቱ’ዩ ዘጽንተካ ዘሎ፡ምናልባት እንተ ብራዕዲ እንተ ከምቲ ናትካ ኣተሓሳስባ ሃልይዎ ደጋፊ ናይዚ ዓመጽ ምሳኻ ክህሉ ይኽእል ዩ። ሓውኻ እኳ እንተኾነ ናይ ዕላማ ፍልልይ ከምዘሎኩም ከተእምኖ ፈትን፡ ንዝገብረልካ ናይ ምጥቃዕ ፈተነ ምናልባት ተመጣጣኒ ግብረ መልሲ ክትህቦ ዝክኣል ኳ እንተኾነ፡ ግዜኻ ከይትቐትል ግን ስራሕካን ዕላማኻን ኣብ ግብሪ ከተርእዮ ፈትን፡ክትምስጦ ስራሕ። ጽባሕ ከምቶም ትማሊ “ኢሰፓ” ኔሮም ድዮም “ደገፍቲ ደርግ” ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ እግርኻ ወዲቑ ይቕረ ክሓተካ ስለዝኾነ ኣይትሸገረሉ፣፣ ዓጋመ፡ትግራዋይ ስለዝበለካ ክትከውን ስለዘይትኽእል ዝሓሸ ኣተሓሳስባ ከምዘለካ ምሃሮ። መስኪናይ የደንግጽ ውን ዩ። ሎሚ ኣብ ዝተወድአ ግዜ ከምዚ ምባሉ ሰኸኽ ዘይምባሉ ለባም ስለዝኾንካ ሕፈረሉ። ምኽንያቱ ብኩሉንትንኡ ኣብ መግዛእቲ ዩ ዘሎ፡ጽባሕ ዋላ ንዕኡ ውን ነጻ ከተውጽኦ ኢኻ።
ሓርነት ልክዕ ከምዝናብ ዩ፡ንኹሉ ዩ ዘጠልቅዮን ዘዝሕሎን። እዚ ኮይናዮ ዘሎና ብቐንዱ ረብሓ ውሑዳን ዩ ህግደፍን ናቱ ኣሳሰይትን! ዋላ ውን ኣብ ደምበ ፍትሒ ይሃልዉ ገና ጎቦ ልቦም ውን ከምዘለው ክንዝንግዕ የብልናን። ወረ ገሊኣቶምሲ ንቓልሲ ኮነ ኢልካ ንምዕንቃፉ ዝሰርዝሑ መሊኦም ዮም። ከጻልዩ ዝሓድሩ ኣዲኦም ትቚጸሮም “ኢሳያስ እንተኸይዱስ፡ንኣብርሃም ወዱ ሸይመልና ፈጣሪ” ዝጾሎቶም ኣበይ ከይሰኣኑ። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ንበሎ ወይ ኮነ ኢልካ ጸይቂ። ኣባና ዝገርም ገኒኑ ዘሎ ነገር እንተሎ፣ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ንኸሕርቕ ዝገብሮ ናይ ኣንጻርነት ፖለቲካ ዩ። ኣዝዩ ከም ህዝቢ ዘሕፍር ዩ።
ሓቅን ሓሶትን ኣብ ቅድሜኻ እናሃለው፣ ንሓውኻ ስለዘሕረቕካዮ እትረኽቦ ጥቕሚ የሎን ጥራሕ ዘይኮነ፣ክሳብ ንኤርትራ ከም ሃገር ንኸይትቕጽል ከኽስር ዝኽእል ዕንወት ከስዕብ ርሒብ ዕድል ኣሎ ሎሚ። እሞ ዝተኸፍለ ዋጋ ንኹልና ኣሕቢሩ ዘሕምም እናሃለወ። ንደግፍ ንቃወም ሓቂ እንተሒዝና ሓደ ኢና፡ ንሕሱ እንተሃሊና ድማ እዛ ንኸዳ ዘሎና መገዲ ናበይ ትመርሓና ምህላዋ ሎሚ ግልጺ ያ ዘላ። ምርጫና ንፍለጥ። ጸቢብነትና ንጒሓፎ ኤርትራውያን፣ ኤርትራ ምስ መጸት ድላይና ክማልኣልና ምዃኑ ኣሚንና ንጕዓዝ።
ጻማ ናይዚ ሎሚ ዘሎ ቃልሲ፣ጽባሕ ፍትሓዊት ኤርትራ ምውናን ጥራሕ ዩ ኽኸውን ዘለዎ።ጸላኢና ድማ መቃለሲ ጭርሖን ቦታን ክመርጸልና ኣይክእልን ዩ። እንተ ትግራይ ድዩ፡ ሱዳን ድዩ ጅቡቲ ንዓና’ዩ ዝምልከት። ርእስና ነጻ ጌርና እንተተቓሊስና ኢና ንህዝብና ነጻ እነውጽኦ። ስለዚ እዞም ናይ ደምበ ፍትሒ ተቓለስቲ፡ ናብቲ “ገዳም ደብረ ፖለቲካ ፍትሒ” ክትድይቡ እንከለኹም እትማልእዎ ነገር ነብስኹም ጥራሕ ይኹን፡፡ጸቢብነት ዓዲ፡ ኣውራጃ፡ ሃይማኖት፡ ዓሌት ገዲፍኩም ልክዕ ከምቶም መገዲ ኣምላኽ ደልዮም ዝድይቡ ፈለስትን መነኮሳትን፣…..ንስኻትኩም ድማ “ኤርትራ” ጥራሕ ደሊኹም ደይቡ። ኤርትራ ድማ እቲ ኩሉ እትደልይዎ እተማልእ ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን ኣደ ክትኮነልኩም ያ። እኳ ድኣ ፍሽኽ እናበለትን እናዓለለትን “መርሓባ ዞም ደቀይ፡ቃልስኹምን ሃንቀውታኹምን ድሕሪ ደጊም ኣብ ግብሪ ተተርጒሙ ዩሞ ጆባእ” ክትብለኩም ያ ኤርትራና።