***ጻውዒት ሰለማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ከተማ ብራስለስ ሃገረ ቤልጁም! ***
ዝኸበርኩም ኣሓትን ኣሕዋትን፧ ህዝብናን ሃገርናን፡ ኣብ ታሪኹ ዝኸፍአ ክበሃል ዝከኣል፡ መሪር ናብራ የሕልፍ ከምዘሎ ነጋሪ ኣየድልየኩምን’ዩ። እዚ ሽግር ኣብ ነፍስ’ወከፍ ኤርትራዊ ቤት ስለዘሎ፡ ኩልና’ድማ ነቲ ኣሻቓሊ ክስተት ንከታተሎ ስለዀናን፡ ሓደ ኣርዳኢ – ካልእ ተረዳኢ ክኸውን ኣይክእልን። እዚ ንህዝብናን ሃገርናን፡ ኣብ ከቢድ ፖለቲካውን ማሕበረ ቁጠባውን ውድቀት ዝሸመመ ስርዓት፡ ሕጂ’ውን መቐጸልታ ናይ’ቲ ን29 ዓመታት፡ ናብ ድኽነትን_ስደትን ዘሳጥሓና ኣዕናዊ ፖሊስኡ፡ ንለበዳ ሕማም ኮረና ከም ጉልባብ ተጠቒሙ፡ ንህዝብና ግዳይ ጥሜትን ሳዕቤናቱን ይገብሮ ኣሎ። ንጉዳይ ጥሜት ኣልዒልና ክንዛረብ ከለና፡ ክፍተሽ ዝግብኦ መሰረታዊ ሕቶታት ኣሎ።
ንሱ’ድማ:1ይ እዚ ጥሜት ስለምንታይ’ዩ ስርዓት እሰያስ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ከይፈልጦ ዝሓብኦ ዘሎ? 2’ይ፡ በቲ ‘ ምርጋጥ ‘ ዝብል ኣዋጅ፡ ብሓገዝ ኣብ ስደት ናይ ዝነብሩ ደቁ ፡ ወይ’ድማ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ፡ ዝናበር ህዝቢ፡ ብዜይ-ዝዀነ ዓይነት ቀረብን ደግፍን፡ ክሳብ መዓስ’ዩ ክቕጽል? 3’ይ ለበዳ ሕማም ኮረና፡ ክሳብ መዓስ ከምዝጸንሕ ዝፍለጥ ኣይኮነን! እቲ ኣዋጅ ናይ ኮረና ህላወ ክሳብ ዘብቅዕ ከገልግል እንድሕር ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ናይ ዓጸቦ ሓደጋ ብኸመይ’ዩ ክፍወስ ? ብቐንዱ ንምክልኻል ለበዳ ሕማም ኮረና ዝኽተሎ ኣተኣላልያን፡ ተኣማንነትን ግሉጽነትን ዝጎደሎ ኣወሃህባ ሓበሬታን፡ ብሓቂ ህዝቢ ካብ ሕማም ኮረና ንምድሓን ዝዓለመ’ ድዩ ? ዝብሉ ጉዳያት ክምርመሩ ዝግብኦም ይመስለና።
ህዝብና ኣብ ታሪኹ፡ ዘመነ ኣምበጣ_ዘመነ ድርቂ_ ዘመነ ዝርፍያ ናይ ወረርቲ ሓይልታት እናበለ ዝዝክሮ፡ ምስ ጥሜትን ዓጸቦን ዝተሓሓዝ ዛንታት ኣለዎ’ዩ። ነዚ ኣብ ዘመነ ስርዓት እሰያስን ፖሊስኡን ገጢምዎ ዘሎ ግን ዝወዳድሮ ኣይኮነን። ስርዓት እሰያስ ህዝብና ሰሪሑ ርእሱ ክኽእል ስለዜይደሊ፡ ናብ ድኽነት ዝሽምም ፖሊሲ ሓንጺጹ፡ ካብ ገበርቲ ሰናይን፡ ኣብ ወጻኢ ዝነበር ዜጋን ሓገዝ ረኺቡ፡ ነብሱ ከይዕንግል’ድማ፡ ብጥረ ገንዘብ እንተዜይኰይኑ፡ ናብዚ ሃገር ዝኣቱ ኣይንፈቅድን ኢና ክብል ይስማዕ’። ንምሳለ’ኳ ብቻይናዊ ጃክ’ማ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተበርከተ ሓገዝ፡ ስርዓት እሰያስ ካብ ድርዂት ሃገርና መሊስዎ’ዩ። ኣብ ድያስፖራ ዝነብር ህዝቢ ሓገዝ ክገብር ንዘርእዮ ሰናይ ተበግሶታት፣ በቲ ግሉጽነትን ተሓታትነት ዜይብሉ ብልሹው ኣሰራርሕኡ፡ ንኹሉ ናይ ደገፍ ኣፍደገታት ዓጽይዎ ኣሎ። እቲ ብገለ ደገፍቱ ተዋጺኡ ዝተባህለ’ውን፡ ኣበይ ከምዝተወ ዝፍለጥ የለን። ኣብ ህዝብና ከምዜይበጽሐ ግን ኣረጋጊጽካ ምዝራብ ይከኣል’ዩ።
ኣብ ባህርያዊ ጸጋታት ዝተመልአት ሃገርን፡ ህርኩትን ናይ ስራሕ ባህሊ ዘለዎ ህዝብን ሒዙ፡ ንዕለታዊ መግቢ ዜጋታት ከውሕስ ዜይክእል ስርዓት፡ ኰነ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወጠኖ ሓደገኛ ሽርሒ ከምዝኾነ ምርዳእ ይከኣል።
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሕዋትን፡ እዚ ኩነታት ዘዛኒ ኣይኮነን። ህዝብና ድምጺ ክንኰኖ ይደሊ’ሎ። እቲ ድምጺ’ድማ፡ ሕጂ ክረኽቦ ይግብእ ንብል። ንበኣር፡ ኣብ ሃገረ ቤልጁም ንነብር ኤርትራውያን፡ ተኸሲቱ ንዘሎ ጥሜት ንምቅላዕን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ይፍጸም ንዘሎ ኩሉ መዳያዊ ዓመጽ ንምኹናን: ማሕበረሰብ ዓለምን ኣህጉራዊ ትካላትን፡ ነዚ ጉዳይ ኣቓልቦ ሂብም ክርእይዎን ግደኦም ክጻወቱን፣ ንዕለት 3 መስከረም ካብ ሰዓት 4.00 pm ክሳብ ሰዓት 5.00 pm ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ኤውሮጳ፡ ካብ ሰዓት 4.00 pm ክሳብ ሰዓት 5.00 pm ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኤውሮጳ’/ place du luxembourg 1050 Ixelles/ ሰልፊ ክንገብር መዲብና ኣለና። ክትሓብሩና’ድማ ንጽወዓኩም
ኮሚተ፡ ኣድላዊት ሰልፊ።