መግለጺ ግዝያዊት ኣወሃሃዲት ሽማግለ ይኣክል ንምልኪ ሃገረ ጀርመን።
ዝኸበርክንን ዝከበርክን ኤርትራውያን፡ ኣብ ስራሕኩም ኣሳልጦ ኣብ ሂወትኩም ምሉእ ጥዕና ንምነ።
ህዝቢ ኤርትራ ንብዙሕ ዘመናት ካብ መግዛእቲ ናብ መግዛእቲ፡ ካብ ጭቆና ናብ ጭቆና ክሰጋገር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 40ታት ብዓመጽን ዓሎቕን ኣብ ትሕቲ ምሉእ ጎቦጣ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣትዩ። ንኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት ናጽነተን ክወሃባ ከለዋ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ግን እዚ ዕዱል ኣይተዋሃቦን።
01 መስከረም 1961 ብመሪሕ ቃልሲ ሓሚድ ኢድሪስ ዓዋተ ብረታዊ ቃልሱ ጀሚሩ። ን30 ዓመት ኣዝዮም መረርቲን ደማዊ ውግእ ድሕሪ ምክያድ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ ካብ ግዝኣተ መሬት ኤርትራ ሲዒሩ ኣውጺእዎ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ፍልይ ብዝበለ ብቃልሱን ብደሙን ብምርጫ ሪፈረንዶምን ናጻን ልእላዊትን ሃገረ ኤርትራ መስሪቱ።
ድሕሪ ምምስራት ልእላዊት ሃገረ ኤርትራ ዝሰዓበ ጥልመትን ጭካነን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኩ ሪኢዎን ሰሚዕዎን ዘይፈልጥ ውድቐትን ምብትታንን ገጢምዎ ይርከብ። ሎሚ ህዝብና ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ይኣክል ብምባል ንኣጽናቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ከምቶም ዝሓለፉ ባዕዳውያን መግዛእቲ ካብ መሬት ኤርትራ ሓግሒጉ ንምጉሓፍ እጂጉኡ ሰብሲቡ ተላዒሉ ኣሎ።
ንሕና ነበርቲ ሃገረ ጀርመን ዝኮና ኤርትራውያን ከም ኩሉ ኤርትራዊ ሓውና ካባና ዝድለ ኩሉ ንምፍጻም ይኣክል ኢልና ተላዒልና ኣሎና።
ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ጎባልል ናይ ዞባናን ኣብ ጸላም ኣፍሪቃ ዝሓየሉ ምዃኖም ዝዝረበሎም ዝነበረ ስርዓታት ሃይለስላሰን ደርግን ኣላሽ ዘበልካ ጅግና ህዝቢ ኢኻ። ሎሚ ውን ነዚ ልሙስ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሓጺር ግዜ ክትስዕሮ ምዃንካ ዘጠራጥር የብሉን።
ርሑስ ቅንያት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ። ዓወትን ንህዝቢ ኤርትራ። ክብርን መጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና።