ጻውዒት ሙቛም ባይቶ ይኣክል ጀርመን
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኤርትራውያን ተቐማጦ ጀርመን
ዝኸበርክንን ዝኸርበኩምን ደለይቲ ፍትሒ
ኣቐዲምና ዕዙዝ ሰላምታና ነቕርብ። ሎሚ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን፡ ኣብ መሪር ፖለቲካዊ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ኣብ ዘለዉሉ፡ ልኡላውነት ኣብ ዓቢ ሓደጋ ኣብ ዘኣተወሉ እዋን ንርከብ ኣሎና። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ ኣንጻር ዓማጽን ገባትን ዲክታተርያዊ ስርዓትን ንሱ ዝፈጠሮ አተሓሳስባን ንምቅላስ፡ ዝተበገሰ ሰፊሕ ሰረት ዘለዎ ህዝባዊ ጥርናፈ ይኣክል ዝተራእየሉ፡ ህዝቢ እጅግኡ ሰብሲቡ ፍትሓዊት ዲሞክራሲያዊትን ቅዋማዊትን ሃገር ኣብ ምትካል፡ ካብ ኩሉ ጊዜ ንላዕሊ ቆሪጹ ብሕብረት ተላዒሉ ይርከብ ኣሎ።
ኣብ 2019፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝቕመጥ ኤርትራዊ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ሃገር ኣውዲቕዎ ንዘሎ ዓቢ ሓደጋ ብምስትውዓል፡ ይኣክል ዝብል ህዝባዊ ምጥርናፍ መሰረት ሒዙ ናብ ሓድሽ ፖለቲካዊ መድረኽ ከምዝተሰጋገረ ናይ ትማሊ ዝኽርን፡ መሰረት ናይዚ ሕጂ እነካይዶ ዘለና ቃልስን ሙዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።
ኣብ ሃገረ ጀርመን ምስ እንምለስ፡ ከም ኣብ ኩሉ ዓለም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ 2019 ኣብ ዝተፈላላየ ከተማታት፡ ንመንፈስን መትከልን ይኣክል ማእከል ዝገብረ ህዝባዊ ጥርናፈታት ክረኣይ ጀሚሩ። በዚ መሰረት ድማ፡ ብ10 ነሓሰ 2019፡ ካብ 19 ከተማታት ጀርመን ዝመጹ/ጻ ተወከልቲ ከተማታት ዝተሳተፍዎ/ኦ፡ ቀዳማይ ርክብ ኣብ ከተማ ጊሰን ተኻይዱ። እዘን ከተማታት፡ ኣብ ይኣክል ዘለወን ናይ ሓባር መረዳእታ ብዓሚቕ ድሕሪ ምዝታይ፡ ሓንቲ ካብ ኩለን ኣብዚ ኣኼባ ዝተሳተፋ ከተማታት ዘተዋጸኣት፡ ሽድሽተ ወርሒ ዕድመ ዘለዋ ግዚያዊ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ኣቑመን።
በዚ መሰረት ድማ፡ ካብ መወዳእታ ወርሒ ነሐሰ ጀሚራ ነተን ዝተዋህበተን ሰለስተ ዓበየቲ ዕማማት፡ ማለት ሰለማዊ ሰልፊ ምድላው፡ ፌስቲቫል ምድላው ከምኡ‘ውን ብደረጃ ጀርመን ከስረሓና ዝኽእል ንድፊ ምቝራብ ከተዕውት ክትሰርሕ ጸኒሓ። ነዚ ንምዕዋት ድማ ገለ ካብተን ዘቖመተን ሓይሊ ዕማማት፡
· ሓይሊ ዕማም ንድፊ እተጻፍፍን ሕግን መምርሕን
· ሓይሊ ዕማም ሰለማዊ ሰልፊ
· ሓይሊ ዕማም ፊስቲቫል
· ሓይሊ ዕማም መጽናዕቲ ኣቃውማ ዝተወደባን ዘይተወደባን ከተማታት
· ከምኡ ሰብኣዊ ዓቅሚታት እትፍትሽ ሓይሊ ዕማም
· ሓይሊ ዕማም ምድላው ጉባኤ
ካብ’ዚ ብተወሳኺ ንውሽጣውን ንደጋውን ኣሳልጦን ብድሆታትን፡ ንምግጣም፡ ንክጥዕም ተወሰኽቲ ግዚያውያን ሓይሊ ዕማምት ብሙቛም እውን ክትሰርሕ ጸኒሓን ኣላን።
ግዚያዊት ሽማግለ ባይቶ ይኣክል ጀርመን፡ ብዘይካ እቶም ኣብ ሓይሊ ዕማማት እትዓሞም ዝነበረት ስረሓት፡ ካልኦት ዘዕወተቶም ስረሓት እውን ኔሮም እዮም። ከም ኣብነት ብውሱን ደረጃ ምስ ህዝቢ ምርኻብ (ኣብ ሽቱትጋርት ብዕለት 25 ጥሪ)፡ ብዕለት 22 የካቲት 2020 ኣብ በርሊን ዓቢ ሰለማዊ ሰልፊ ምክያድ፡ ፡ ኣብ ዝተረኽቡ ኣጋጣሚታት ናብ ማዕኸናት ዜና ብምውጻእ፡ ዕላማን ህልው ኩነታት ይኣክል ኣብ ጀርመን ኣፍልጦ ንኽረክብ ሰሪሓ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19፡ ኣብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነብሩለን ዘለዉ ሃገራት ተፈጢሩ ንዘሎ ዓቢ ሓደጋ ንምግጣም፡ ብምእኩል መንገዲ ኣስታት 40 000€ ብስም ይኣክል ከምዝዋጻእ ጌራ እያ።
እቲ ከም ቀንዲ ዕማማ ዝኾነ፡ ምርቃቕ ንድፊ ሕጊ ባይቶ ይኣክል ጀርመን፡ ድሕሪ ምንዳፍ ናብ ኩለን ከተማታት ከምዝኸይድ ኮይኑ። ከተማታት፡ ናይ ልዕሊ 2 ወርሒ ግዜ ድሕሪ ምውሳድ፡ ርእይቶታት ብመንገዲ ወከልተን ናብ ግዜያዊት ኣወሃሃዲት ሽማግለ ከምዝመጽእ ብምግባር፡ ከምዝዳሎ ኮይኑ።
ግዚያዊት ኣወሃሃዲት ሽማግለ ባይቶ ይኣክል፡ በቲ ዝተዋህባ ግዜ መሰረት ኣብ መወዳእታ 28 ሕዳር 2020፡ ጉባኤ ከተካይድ መደብ ሒዛ እኳ እንተነበረት፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ንዘይተወሰነ ግዜ ኣናዊሓቶ። ኣብዚ እዋን ብመሰረት ሕጊ ፈደራላዊት ሪፑብሊክ ጀርመን ተዋሂቡ ዘሎ ከፊላዊ ናይ ምእካብ ፍቃድ መሰረት፡ ብዓቢኡ ድማ ባይቶ ነቲ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዘሎ ኩነታት ሃገርና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምቕናዕ ጉባኤ ባይቶ ይኣክል ጀርመን ይጽነሓለይ ዘይበሃሎ ዕማም ምዃኑ ተኣምን። ስለዝኾነ ድማ ንኹሉ ክኸይድ ዝጸንሐ ስረሓት ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕ፡ ነዚ ብኸተማታት ዝተወደበ ህዝባዊ ስርርዓት ይኣክል፡ ብደረጃ ሃገር (ጀርመን) ንምስራዕን፡ ብኡኡ ኣቢልካ ድማ ኣብ ምእላይ ዓማጺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ወሳኒ ድርኺት ንምግባር፡ ግዚያዊት ኣወሃሃዲት ሽማግለ፡ ን ዕለት 12 መስከረም 2020 ጉባኤ ባይቶ ይኣክል ጀርመን ንኽቓናዕ፡ ንኹለን ኣብ መትከል መርገጽን መንፈስን ይኣክል ዘለዋ ከተማታት፡ ኩለንተናዊ ተሳትፎ ክገብራ ትጽውዕ።
02. መስከረም 2020
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ
ግዜያዊት ኣወሃሃዲት ሽማግለ