መግለጺ ባይቶ ይኣክል ጀርመን
ናብ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣብ ሃገር ጀርመን.
ብዕለት 12.09.2020 እቲ ኩሉ ዝጽበዮ ዝነበረ ባይቶ ይኣክል ጀርመን ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ብጉባኤ ደረጃ ከምዝተመስረተ ዝዝከር እዩ። ባይቶ ይኣክል ጀርመን፣ በተን ናብዚ ንምብጻሕ ሓቢረን ንውሕ ዝበለ ግዜን መስርሕን ዘኸዳ እሞ ብኸተማታትን ብኣዋርጃታትን ብናይ „ይኣክል“ እምነት ወይ መትከል ዝተሞርኮሰ ስርርዕ ተጠርኒፈን ዘለዋ፣ ጠቕላላ 21 ከተማታት ዝሓዘለ እዩ።
ኣብ መዓልቲ ጉባኤ ገለ ኣባላት ካብተን ኣቐዲመን ካብ ጥርናፌ ጀርመን ኣባልነተን ደው ዘበላ ኣርባዕተ ከተማታት መጺኦም ኣብቲ ጉባኤ ክኣትዉ ከምዝደልዩን ከምኡውን ኣቐዲሞም እዚ ጉባኤ ናብ ሰሚናር ክቕየር ኣለዎ ዝብል ጽሑፋት ከምዝዓደሉን ዝፍለጥ እዩ። እንተኾነ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ዝጸንሐ ቁሩብ ሕልኽልኽ ዝበለ ዘይምርድዳኣት ክትዛተየሉ ዘይኣክል ሓጺር እዋን ምንባሩን ከምኡውን በዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ኮሮና ተላባዲ ሕማም መንግስታዊ ሕግታት ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ ዕድል ከምዘየሎ ተሓበሮም። እዚ ሓበሬታ ኣዚ ከኣ ነቶም ኣብ ሓጺር ግዜ (ማለት ሰለስተ መዓልታት ቅድሚ ጉባኤ) ንኽመጹ ብጽሑፍ ዝሓተቱ ናይ ክልተ ስርርዓት ወከልቲ (ናይ ዳርምሽታትን ዶርትሙንድን) ብቐጥታ ተላኢኹን ከምኡውን ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ኣብ ጀርመን ብቕሉዕ ተዘርጊሑን እዩ፣ እዚ ጉዳይ ኣብቲ ጉባኤውን ከምዝተላዕለን ከምዝተዘተየሉን፣ እንተኾነ ክኣትውሉ ዝኽእሉሉ ኩነታት ከምዘየሎ በቲ ጉባኤኛውን ከምዝተበጽሐ ንሕብር። ጉባኤኛ ድሕሪ ጉባኤ ካብ ባይቶ ይኣክል ሓንቲ ሽማግለ ክትወጽእን ምስኦም ኣብዚ ናይ ጠቕላላ ናይ ባይቶ ይኣክል ጀርመን ክጽንበርሉ ዝኽእልሉ ክትላዘብን ኣማሕጺኑ።
ባይቶ ይኣክል ጀርመን ነዚ ናይ ዝርርብ ተልእኾ ጉባኤ ንምትግባር ኣብቲ ቀዳማይ ብዕለት 20.09.2020 ብZoom ዝተኻየደ ኣኼብኡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዘትዩ። ባይቶ በዞም ዝተጠቕሱ ኣሕዋት ኣብ ጉባኤ ምእታው ተኸሊእና ብማለት ብመዲያ ዝተኻያደ ኣሉታዊ ወፈራታት ከይተዓገተ እታ ትላዘብ ሽማግለ ካብ ውሽጡ መዚዙ ኣሎ።
በዚ መሰረት እታ ናይ ልዝብ ሽማግለ ተቐሪባ ከምዘላን ነተን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ከተማታት ይኹን ንኩሉ ደላይ ፍትሒ በዚ ጽሑፍዚ ነፍልጥ።
ይኣክል ኢልና ህዝብናን ሃገርናን ከነድሕን መብጽዓና እዩ!
ዓወት ንውጹዕ ህዝብና!
ውድቐት ንመላኺ ስርዓት ኣብ ሃገርና!
ባይቶ ይኣክል ጀርመን
ዕለት 23.09.2020