ቀዳማይ ዋዕላ ባይቶ ‘ይኣክል’ ሕ.መ.ኣ ትሽዓተ ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለ ብምምራጽ ብዓወት ተዛዚሙ
ባይቶ ምንቅስቓስ ‘ይኣክል’ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሎሚ ቐዳም፡ 26 መስከረም 2020፡ ወከልቲ 41 ከተማታት፡ ከምኡ ድማ ናይ ክብሪ ዕዱማት ኣብ ዝተረኽቡሉ ብመስመር ዙም ኣኼብኡ ቐጺሉ ውዒሉ።
እዚ ናይ ሎሚ እብረ እቲ ኣኼብ ብናይ ኒውዮርክ ኣቈጻጽራ ሰዓት 1:00 ቐትሪ ጀሚሩ፡ ንልዕሊ ሸሞንተ ሰዓታት ቀጺሉ ውዒሉ። ባይቶ ይኣክል ሕ.መ.ኣ ኣብዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ እብረ ዋዕላኡ ውሁድ ብዝዀነ፡ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ብዘዅርዕን ምዕሩግን ኣገባብ እዩ ኣኼብኡ ኣካይዱ። እቲ ዝዓበየ ጉዳ ናይዚ መዓልቲ፡ ፈጻሚት ሽማግለ ናይ ባይቶ ‘ይኣክል’ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንምምራጽ እዩ ነይሩ።
ባይቶ ‘ይኣክል ሕ.መ.ኣ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ናይ ኤርትራውያን ህዝባውያን ትካላት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ግሉጽነት ብዝመልኦ ኣገባብ፡ ኣብ ክልቲኡ መዓልታት ብዘይጐደሎ ጉባኤኡ ብቐጥታ ብቪድዮ ናብ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከመሓላልፍ ብምኽኣሉ ዓቢ ኣርኣያን ዓወትን እዩ።
ኣብ ካልኣይ መዓልቲ እቲ ዋዕላ፡ ኣቦ መንበር ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቶ ልኡል ዘውደ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሓፈሻዊ ዕማምን ስራሕን ባይቶ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ብተወሳኺ ኣባላት ሓይሊ ዕማም ንምምካት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ክሳብ ሕጂ ናይ ዝተዓመመ ዕዮ ጸብጻብ ኣቕሪቦም።
ኣብ መዛዘሚ እቲ ዋዕላ ፈጻሚት ሽማግለ ባይቶ ምንቅስቓስ ‘ይኣክል’ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሕ.መ.ኣ ተመሪጾም። ኩሎም እቶም ንምርጫ ተሓጽዮም ዝነበሩ፡ ንኣድመጽቲ ንምውሳን ምእንቲ ኽሕግዝ፡ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ዀይኖም እንተተመሪጾም፡ እንታይ ከበርክቱ ከምዝደልዩን፡ ብዛዕባ ዛንታ ህይወት ነፍሲወከፎምን ዘላሊ ናይ ተንቃሳቓሲ ስእሊ መልእኽትታት ኣመሓላሊፎም።
እቲ ምርጫ ብቐጥታ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ስደተኛ ህዝቢ ኤርትራ እናተኸታተሎ፡ ኣዝዩ ውሑስን ስሉጥን ብዝዀነ ኢለክትሮናዊ ኣገባብ ተኻይዱ። ኣብ እዋን ምቝጻር ድምጺ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ናይ ደገፍን ምኽርን መልእኽትታት ቀሪቡ። ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓያል ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣባላት ባይቶ ናይ ኣፍልጦን ምስጋናን ዝምስክር ወረቓቕቲ ተዓዲሎም።
ብመሰረት እቲ ኻየደ ግሉጽን ውሑስን ዲሞክራስያዊ፡ ምርጫ ተሳተፍቲ ዋዕላ ነዞም ዝስዕቡ ትሽዓተ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ፡ ምስኣቶም ድማ ሰለስተ ተጠባበቕቲ ዝርክብዎም 12 ኣባላት መሪጾም።
ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ
ኣቶ ልኡል ዘውደ
ኣቶ ዓወት ጸሃየ
ወይዘሮ ኢለን ተስፋጊዮርጊስ
ኣቶ ተስፋሂወት ኪዳነ
ኣቶ ፍቕረ ጋይም
ኣቶ ሃይለሚካኤል ዮሴፍ
ኣቶ ሊዮን ሙሉጌታ
ኣቶ ሙሉጌታ ኪዳነ
ወይዘሮ ተኽኣ ዮሃንስ
ተጣባበቕቲ
ኣቶ ዓብደልባስጥ መሓመድ
ኣቶ ኢሳይያስ ተወልደ
ኣቶ ዳንኤል ኣብርሃም
ቴለቪዥን ኤሪሳት በዚ ናይ ክልተ መዓልቲ ዕዉት ኣኼባ ባይቶ ምንቅስቓስ ‘ይኣክል’ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ እንቋዕ ሓጐሰኩም እናበለት፡ ነዞም ተመሪጾም ዘለዉ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ዕዉት ናይ ስራሕ ግዜ ትምነ።