ንቕሎ ኣዴታት ንምድሓን፡ ህዝብን ሃገርን፡
فرع حركة األمهات اإلريترية لحماية الشعب وبلد أوروب
Eritrean Mothers Initiative to Save the People & the Nation
ናብ ዝክበርኩምን፡ ዝኸበርክንን ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን፡ ህዝባዊ ምንቅስቕስ ይኣክልን፡ ምሁራትን ውልቀ ሰባትን ደለይቲ ፍትሒ።
ብቐዳምነት ዝኸበረ ሰላምታና ነቕርብ። ብምቕጻል ኣብ እተካይድዎ ዘለኹም ሃገራዊ ቃልስኩም ኣሳልጦ ን ምነየልኩም።ከምኡ እውን እቲ ዝወሰድክምዎ ተባዕ ስጎምቲ ብሓባር ንምስራሕ ከይመጎስናኩም ክንሓልፍ ኣይንደልን።
ኣብዚ እዋን እዚ ውዓል ሕደር ዘይበሃሎ፡ ህዝብና ኣደዳ ጥሜትን ስቃይን ስደትን ተጻጢሑ ኣብ ዝላዓል፡ ጥርዚ ኣብ ዘለወሉ እዋን ስቓይ ናይ ህዝብኹም ተረዲኢኩም ትገብርዎ ዘለኹም ጻዕሪ ሕጂ እውን ምስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብሓባር ተጠርኒፍኩም ንኽትሰርሑ ንላቦ። ኣብዚ እዋን እዚ ስቃይ ናይ ህዝብና ንደማመጻሉ ድኣ እንበር ኣብ ነንሕድሕድና ንዋናጀለሉ ግዜ ኣይኮነን። ስለዝዀነ ድማ፡ ንሕና ንቅሎ ኣዴታት ንህዝብን ሃገርን ንምድሓን ሕጂ ውን ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ብሓንሳብ ተጠርኒፎም ዝሰራሕሉ ባይታ ንምፍጣር ን 26 መስከረም 2020 ንናይ ሓባር ዘተ ጻውዒትና ነቕርበልኩም።
ተሪፉና ዘሎ ጥርናፈ ብሓባር ክንደፍኣሉ: ከምኡ እውን ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዋዕላና ዝኣተኹሞ ቃል ተጠርኒፍኩም ትሰርሕሉ ባይታ ብምትካልኩም ንህዝብና ዓቢ ተስፋ ንዓና ድማ እቲ ዝኸፈትናዮ ናይ ዘተ መኣዲ ቃልኩም ኣኽቢርኩም ኣብዚ ብምብጻሕ ሓደ ዓቢ ስጉምቲ እዩ። ስላዚ ሕጂ እወን ኩላትና ደላይቲ ፍታሒ ንጥርናፈሉ ባይታ ምፍጣር ስለዝዀነ፡ ብዚ መሰረት ድማ ናብዚ ንሰድልኩም ዘለና ማዓልቲ ዕድሜና ኣኽቢርኩም ንኽትመጹና ብትሕትና ነማሕጽን። መልስኩም ምስ መጸና መራኸቢና ኽንሕብረኩም ኢና።
ዓወትን ራህዋን ንህዝብና
ዘላኣለማዊ ዝክርን ክብርን ንስዉኣትና
ውድቀት ንጨቋኒ ስርዓት
ኣፈኛ ህዝባዊ ርክባት፡ ፍረወይኒ ባይረ
ሰላም ቅነ