ዋዕላ ይኣክል ኣብ ኣመሪካ
ባይቶ ‘ይኣክል’ ናይ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሎሚ ዓርቢ፡ 25 መስከረም 2020፡ ወከልቲ 41 ከተማታት፡ ከምኡ ድማ ናይ ክብሪ ዕዱማት ኣብ ዝተረኽቡሉ ብመስመር ዙም ይሰላሰል ኣሎ።
ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ዋዕላ፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ እቲ ባይቶ ዝዀነ ኣቶ ተወልደ ስእለ፡ ንወከልቲ ኸተማታትን ዕዱማት ኣጋይሽን እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ዋዕላ ብናይ ሓደ ደቒቕ ዝኽሪ ሰማእታት ከፊቱዎ።
ናይ ክብሪ ጋሻ ፕሮፌሰር ኣርኣያ ደበሳይ፡ እቲ እንኮ ኽንዕወተሉ እንኽእል መገዲ፡ ኣብ ሓደ ሓቢርና ምስራሕ ስለዝዀነ፡ ፍልልያትና ኣጽቢብና፡ ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ጽላል ይኣክል ተጸንቢርና ኽንሰርሕ ከምዝግባእ ተላብዩ። ብወገና፡ ኣምባሳደር ሕብረት፡ ቃል ሕመረት (keynote) እቲ ዋዕላ ኣስሚዓ። ኣብቲ ዝሃበቶ ቓል፡ ምንቅስቓስ ይኣክል ዕዉት ኰይኑ ኽወጽእ ዝሕግዝ ምኽርን ሓሳብን ኣቕሪባ። ብተወሳኺ፡ ወከልቲ ባይቶ ካናዳን እንግሊዝን ናይ ደገፍን ሰናይ ምንዮትን መልእኽቲ ንተኻፈልቲ ቀዳማይ ዋዕላ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቕሪቦምሎም።
ክቡራት ተኸታተልቲ ተለቪዝን ኤሪሳት፡ ኣብዚ ሰዓት ተሳተፍቲ ቐዳማይ ዋዕላ ጽላል ‘ይኣክል’ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ፡ ነዚ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ መዛረቢ ዛዕባኦም ሓደ ብሓደ ይዝትዩሉ ኣለዉ።
ቴለቪዥን ኤሪሳት ነዚ ዝግበር ዘሎ ቐዳማይ ዋዕላ ዕዉት ክኸውን እናተመነየት፡ ብቐጻሊ ጸብጻብ ከተቕርበልኩም ምዃና ኽንሕብረኩም ሓበን ይስምዓና።