ነቲ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ስሙ ክልዓል ዝሰምዖ ጅግና ብዓይነይ ስለዘይርኣኽዎ ዳርጋ ስሙ ከም ተራ ስም የ ዝሓስቦ ኔረ። ኣብ ሂወት ብዕድል ብጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ዘጋጥሙ ኣጋጣሚታት ኩሉ ግዜ ኣገረምቲ ዮም። ሓንቲ ኮቦርታን ሓንቲ ተንኮበትን ኣብ እትወሃበላ ካርሸሊ መን ኣሎ ኣብ ዘይፈልጠሉ ዝነበርኩ ኣጋጣሚ የ ናብቲ ቦታ ከይደ፡ተቐይደ ንበሎ ተኣሲረ ኩሉ ሓደ፡ተጨውየ ውን እንተበልኩ።
ኣብ ካሜራ 4 ብቐዳምነት ዝሰማዕክዋ ስም ” ቢተወደድ ኣብርሃ” ያ ትብል ኔራ። ቀስ ብቐስ ንታሪኽ ዚ ሰብኣይ ከም ፊደል ዝቖጽር ህጻን ክመሃሮ ጀሚረ። ብኡ መጠን ድማ ንክርእዮ ህንጡይነተይ ሰማይ እናዓረገ ከይዱ። ወይከ ፊት ንፊት ክንጋጠም። ኣብ ካሜራ 2 ከምዘሎን ንበይኑ ምዃኑን ድማ ድሒረ የ ፈሊጠ። እተን ክልተ ካሜራታት ናይ ገዛእ ርእሰን ቀጽሪ ወይ ካንቸሎ ስለዝነበረን ጸሓይ ኣብ ንጽለወሉ ዋርድያ ኣብ መንደቕ ስለዝድይብ መን ኣሎ ክትርኢ ኢልካ ክትቅልቀል ዝክኣል ኣይኮነን። ሓደ ዕለት ግን እቲ ዝተረረ ዋርድያ እናሃለወ፡ገለ ክብል ንኽሽነ ገጹ ምስ ተኸወለለይ፡ብጉያ መን ኣሎ ድሕሪ ዚ ሓጹር ኢለ ተሃንዲደ ከድኩ ሞ፡ሓደ ሕቖኡ ዝሃበኒ ኣብ ሰድያ ኮፍ ኢሉ ቀያሕ ፓናሶኒክ ቴፕ ሒዙ ሬድዮ ዝሰምዕ በራሕ ሰብኣይ ርኣኹ። ገጹ ኣይርኣኽዎን፡መተኣስርተይ ግን ንሱ ምዃኑ ነጊሮምኒ። ድሒረ ገጹ ንምርኣይ ዕድል ኣብ ዝረኸብኩሉ ድማ ነቲ ኣብ የእሙሮይ ዝነበረ ጅግና ፈጺመ ኣይረኸብክዎን። ኣብ የእሙሮይ ዝቐረጽክዎ ተጋ ቢተው ብሓቂ ንሱ ኣይነበረን። ምባልባት ጋምባለ ምስ ሽዳ፡ቁምጣ ምስ ክሹፍ፡ቡምባ ቻይና ዝዓጠቐ ጀብጀብ ዝጾግሩ ዶ ተጸብየ ኔረ ድኣ ኮይነ!?
ቢተው ቀይሕ፡በራሕ፡ጾግሩ ብምሉኡ ዝጻዕደወ፡ጨሓም ጎፍጓፍ ኮታስ ዋላ ውን ንኸምኡ እሱራት ክርኢ ውንዘይህንጠ ኮይኑ የ ረኺበዮ። ዝደበነት ረቃቕ ማልያን ዝተጨማደደ ስረን ዝወደየ ሰብኣይ፡ዋርድያታት ካርሸሊ” ኣታ” ክብልዎ ክትርኢ እንከሎኻ ዘየገርም ኣይኮነን። ንምዃኑ መን ምዃኑ ይፈልጡ ዶ ይኾኑ ክሳብ ምባል ዘብጽሑኒ እዋናት ብዙሕ ዩ። ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ቶም ተራ እሱራት ዘለዎም ኣጠማምታ ዘገርም ኣይኮነን፡ከም ቢተውን መሰልቱን ዘለዎም ኣጠማምታ ግን ንገሊኦም ሰላምታ ክንነፍጎም ይዝከረኒ ሎሚ። ምሳይ ተኣሲሩ ንዝነበረ ዓይነ ስዉር መሪሐ ንጸሓይ ክወጽእ ባ ሓደ መዓልቲ ረኺብየን ኣዘራሪበዮን። “ኣነ ቢተወደድ የ፡እንሆልኩም ንልዕሊ 20 ዓመት ብዘይ ሕጊ ኣብዚ ዓጽዮምኒ” ኢሉና፡ንምልሶ፡ነገር ኣይነበረናን። ንሕና ውን ግዳያት ዘይሕጋውነት ስለዝነበርና። እታ መዓልቲ ነተን ቃላቱ ክደጋግምን ከስተንትንን ዝወዓልክዎ ሎሚ ክዝክሮ ኣዝዩ ዩ ዝገርመኒ። ቢተወደድ ቦኽሪ ግዳይ ኣብ ነጻ ኤርትራ ዩ፡ነቲ ምእንትኡ ዝተወፈየሉ ሃገር እዚ ክፈድዮን ንሕና ድማ እዚ ጥራሕ ኮይንና ክንተርፍን ኣዝዩ ዘሕዝን ዩ። ሕነ ቢተወደድን ኣሽሓት ኤርትራውያንን እንፈድየሉ ግዜ የምጽኣልና።
ሓደ ኣዝዩ ዝገርመኒ ናይ ኤርትራውያን ነገር ኣሎ። ቢተው መራሒ መጻኢት ኤርትራ ዩ ይብሉኻ ሞ፡እምበር ዶ ኩነታቱ ይፈልጡ ዮም? ምናልባት ዶ እታ ሓላፍነት ዘይምውሳድ ንመዋእል ምሳና ያ ክትነብር ተብለካ። ፍትሒ ኢልካ ክትዛረብ እንከሎኻ ተራ ናትካ ውን ኣገዳሲ ምዃኑ ክትኣምን ኣሎካ። ንቢተውን ብጾቱን ድማ ጥራሕ ብሂወቶምን ብጥዕንኦምን ንርከቦም እምበር፡ ዝኾንዎን ዝነብርዎንሲ መርከብናሉ ዝብል መልእኽቲ ድማ ከሕልፍ። ገለ ንግበር ኣቱም ሰባት!
ሙሌ ዘርእዝጊ