እተገምጠለት ዓለም
እታ እትነብረላ ዘለኻ ዓለም ክትግምጠል ከላ ኩሉ ይዘብል ኩሉ ድማ ንድሕሪት ይኸይድ። ብትሕቴኻ ኽኸውን ዝግብኦ ብልዕሌኻ ይኸውን። እቶም ኣቐዲሞም ቁልቁል ኣፎም ዝነበሩ በይኖም ትኽ ዝበሉ ይሕሰቡ። ማይ ንዓቐብ ይውሕዝ፡ ሓምሓም ንእምኒ ይሰብሮ። ንማዕጺድ ‘ትኽ’ ይብልዎ፡ ትኽ ንዝበለ ኹሉ ‘ይተዓረ’ ይብልዎ። ሓቂ ምዝራብካ የቕትለካ። ዝግብኣካ ምሕታትካ የኽስሰካ። ኣብ ቤትካ ምንባርካ ሕንቃቐ ይመስለካ።
ናይ ዝዀነ ይኹን ህዝቢ ዓለም ብፍቓድ እቶም ዝነብሩላ እያ እትኸይድ። ትኽክል ክትከውን ከላ እንተስዒቦማ ትኽ ትብል፡ ክትዘብል ከላ እንተዘየዐርዮማ ፈጺማ ትግምጠል። ብሰንኪ ሓደ ሰብ ወይ ብሰንኪ ውሑዳት ክትቀንን ትኽእል። ሓንሳብ ውን ብሰንኪ ምፍራስ ኣተሓሳስባ ምሉእ ሕብረተሰብ ክትግምጠል ትኽእል። ኣብ ከምዚኣ ዓይነት ዓለም ኩሉ እቲ ክኸውን ዝግብኦ ብግምጣል ይግሃድ። ዘምጽእዋ ወገናት ንኽዉንነት በቲ ዝግባእ ክኸድዎ ስለዘየኽስቦም፡ ግልባጥ ሓሳብ ሒዞም ይመጹ።
እታ ጥዕይቲ ዓለም መሰረታዊ ቕቡል ሕግታት ኣለዋ። ዝተወልደ ይዓቢ፡ ዝሞተ ይቕበር፡ ዝጸዓረ ጻምኡ ይረክብ፡ ዝፈልጥ ይስማዕ፡ ዘገልገለ ይኸብር፡ ገበነኛ ይተሓዝ። ዘመናት ይሓልፍ፡ ገስጋስ ይርአ፡ ዝገሹ ኽምለሱ ይህወኹ፡ ዓበይቲ ብልቦና ይመኽሩ፡ ንኣሽቱ ይዕንድሩ፡ ጀጋኑ ይኸብሩ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ይሕፈሩ፡ ሕሩያት ይመርሑ። ከምዚኣ ዓለም ከመይ ከም እትኸይድ ብዛዕባ እቲ መሰረታዊ ኣዕኑድ ርግጸኛ ኢኻ። ኣብታ ንስኻ እትፈልጣ ትኽክል ዓለም ዝገበርካዮ ዘበለ እንታይ ዝመስል ውጽኢት ከምዝህልዎ ትፈልጥ ኢኻ። እዚ ኣብታ ኽትከውን ዝግብኣ ዓለም ዘሎ ኣናብራ እዩ።
ኣብታ እተገምጠለት ዓለም ግና እቲ ክኸውን እትጽበዮ ተገምጢሉ ጥራይ ይፍጸም። ዝውለድ ይውሕድ፡ ዘዝተወልደ ይቕበር፡ ዝሞተ ይዝንጠል፡ ዝሰርሐ ኣየእቱን፡ ዝጸዓረ ይቕጻዕ፡ ዝፈልጥ ይጽላእ፡ ዘገልገለ ይንዓቕ፡ ገበነኛታት ሃገር ይመርሑ፡ ከዳዓት ይውደሱ። ዘመናት ንድሕሪት ይምለስ፡ ዘለዉ ኽገሹ ይህወኹ፡ ዝገሹ ውርሽኦም ንዒቖም ውርሻ ጓና ይሽምቱ፡ ህጻናት ጾር ህይወት ይኸብዶም፡ ጀጋኑ ይንዓቑ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ይድፈሩ፡ ክመርሑ ዝኽእሉ ኩሎም ይህደኑ። መንእሰይ ስራሕ ገዲፉ የስተንትን፡ እቲ ኽምዕድ ዝግብኦ ዕሽነት ይዘርእ። ክተብዕ ዝግብኦ ይፈርህ፡ ሰላም ክሰብኽ ዝግብኦ ሴፍ ሒዙ ኲናት ይመርሕ። እታ ዓለም ክትቀንን ከላ እቶም ህዝቢ ንድሕነቶም ክብሉ እንተተኣልዮምላ፡ ሚዛና ናብቲ ዘቕንና ይዘዙ እሞ ቐልጢፋ ትግምጠል። እዚ ኣብታ እተገምጠለት ዓለም ዘሎ ኣማውታ እዩ።
ነታ ናይ ሓባር ዓለምካ ብግቡእ መገዲ መጺኦም ዝደለይዎ ክረኽቡላ ዝደልዩ ወገናት ኣለዉ።ዝደልይዎን ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘለዎም ብቕዓትን ኣዝዩ ዝተፈላለየ ይኸውን። ሃብታማት ክዀኑ ዝደልዩ ንስራሕ ዝኸውን ኣእምሮን ዓቕልን ዘይተዓደሎም፡ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዝደልዩ ግና ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ክረኽብዎ ዘይክእሉ፡ ሃይማኖቶም ክዕብልል ዘይደልዩ ግና ብስብከት ተቐባልነት ዘይረኽቡ፡ ኣተሓስባኦም ከስርጹ ዝደልዩ ግና ከረድኡ ዘይክእሉ ነታ ሓባራዊት ዓለም ይግምጥልዋ። እቲ ካብ ዕንወት ዘይከስብ ወገን እንተዘይፍቂዱ ዓመጽቲ ኽዕወቱ ዘለዎም ዓቕሚ ትሑት እዩ። ፍቓድ እቶም ነበርቲ እታ ዓለም ንምርካብ እቶም ዓመጽቲ ነቶም ህዝቢ ክሰምዕዎ ዝደልዩ ይነግርዎም። ዕላምኦም ነታ ዓለም ምውናን ስለዝዀነ ብዛዕባ ኣብ ሰባት ዝበጽሕ ሃስያ ክሓስቡ ኣይክእሉን እዮም። ዝተኸፍለ ዋጋ ተኸፊሉ እታ ዝደለይዋ ዓለም ክትገሃድ ይደልዩ። ኣብ መወዳእታ ነታ ዝጸንሐት ዓለም ብምፍራስ ነታ ዝደልይዋ ዝተገምጠለት ዓለም ከግህዱ ኣለዎም።
ጽሉላትን ዓያሱን ኣብ ክንዲ ጥዑያትን ለባማትን ይስምዑ። ጉዳይ ህዝቢ ዘካይዱ ምስተመቝሑ፡ ነቲ ቐልቡ ኣጥፊኡ ኣብ ጐደና ዝዛውን ጥራይ የቕልቡሉ። እቶም ህዝቢ ኣብ ክንዲ ኣስማት ሊቃውንቲ ጠቒሶም ዝዛረቡ፡ ስሑዋትን መስሓቄንን ብሓሳብ ይመርሕዎም። ተገምጢልካ ምኻድ ምስለመድዎ፡ ነቲ ጥዑይ ሓሳብ ዘምጽእ ዘበለ ይጻረርዎ። ቃልስን ጻዕርን ስለዘይሓቶም ነቲ መሊሳ ኽትዓኑ ዝሰብኽ ተኣኪቦም ይስዕብዎ። ነታ ቔናን ዓለም ምስለመድዋ ነታ ኣቐዲማ ዝነበረት ትኽክል ዓለም ይረግምዋ። ጽቡቕ ዝምነየሎም ይሓስር፡ ኣግሂዱ ጥፍኣት ዝምነየሎም ይኸብር። እታ ዓለም እተገምጠለት እያ።
እታ ዓለም መጠኑ ብዝሓለፎ ድፍኢት እያ እትቐንን። ሕሉፍ ህርፋን ስልጣን፡ ስዉር ውዲት፡ ሕሉፍ ስስዕቲ፡ ብርቱዕ ጥልመት፡ ሕሉፋት ሃይማኖተኛታት፡ ሕሉፍ ዓይነት ቁጠባዊ ኣተሓሕዛ፡ ሕሉፍ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ነታ ዓለም የቕንና።
ገምጢሎም ዝሓስቡ ውልቀሰባት ወይ ጉጅለታት ንዘይሓየላ ድኻታት ሃገራት መንዚዖም ሓመደን ንላዕሊ ኽገብርወን ብዙሕ እዋን የጋጥም’ዩ። ውልቃዊ ስስዕቲ ስልጣን ዘለዎም ክቐንዖም ከሎ ኣብ ባይታ ዘየዐውት ኣተሓሳስባ እናሰበኹ ንህዝቦም ብሓይሊ ብረት ከምዝስዕቦም ይገብሩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ዘለዎም ምስሊ ብሰንኪ እቲ ስልጣን ምሓዞም ኣዝዩ ዝተጣመመ ስለዝዀነ፡ ንሳቶም ዘይኰንዎ ክዀኑ ንዓለም እቶም ዝመርሑዎም ህዝቢ ዘይኰነቶ የኹንዋ። ንሕልምታትን ሃገራውነትን ህዝቢ ገምጢሎም ከም ምንጪ ሓይሎም ይጥቀሙሉ። ሃገራውነት ብኣምልኾ ውልቀሰብ ምስተቐየረ ነታ ሃገር ይስምማ። ሓደ ሰብ ኩሉ ሕልምን ሃገራውነትን ከምዝውሕዞ ምስገበረ እቲ ቔናን ሚዛን ነታ ዓለም ብቕልጡፍ ቁልቁል ኣፋ ይግምጥላ። ቄናን ክሓስቡ ዝጸንሑ ኣብታ እተገምጠለት ዓለም በይኖም ትኽ ዝበሉ ዀይኖም ንኹሉ ይቈጻጽርዎ።
ገሊኡ ቑጠባዊ-ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ብመሰረቱ ንዓለም ገምጢሉ ስለዝርእያ፡ እታ ትኽክል ተባሂላ ብሃታሃታ እትህነጽ ዓለም ነታ ዝነበረት ቁልቁል ኣፋ ትደፍኣ። እታ ዝጸንሐት ናይ ርግኣትን ሰላምን እንተነይራ፡ እታ እትስዕባ ናይ ዕግርግርን ሞትን ትኸውን። ንኣብነት፡ ብዙሓት ጉጅለታት ብስም ማርክስነት ኣብ ዝመስረትዎ ንማሕበርነት ይኹን ንሕብረተሰባት ክርዳእ ዓቕሚ ዘይብሉ ስርዓታት ኣብ 20 ክፍለዘመን ንዝነበሩ ሓያሎ ሕብረተሰባት ኣብ ገሃነም ኣንቢሩዎም እዩ።
ኣብታ እተገምጠለት ዓለም ኩሉ እትርእዮ፡ እትነብሮ፡ እትዀኖ ዘበለ ትርጉም የብሉን። ኩሉ ንኸንቱ እዩ። ተራኻ ብድሕሪት ይጅምር። ናትካ መንጢሎም ዝሃብተሙ ብድኽነትካ ይስክሑ። ኣይትርሓቐና ክትብሃል ዝግብኣካ፡ ካብ በረኻ ናብ ቤትካ ከይትምለስ ትእዘዝ። ካብ ኣብ ቤትካ ብሰላም ክትነብር ክትስደድ ዝቐለለ ይዀነካ። ሰብ ዝሸጡ ይህብትሙ፡ ህይወት ሰብ ዘድሕኑ ዝብላዕ ዘይብሎም ይሓድሩ። ካብ ኣእምሮ ዝሰፍሓሉ ቤትትምህርቲ፡ መንፈስ ዝስበረሉ ቤት ማእሰርቲ ይበዝሕ። ወራሪ ኣብ ዘይብሉ ካብ ኲናት ኣብ ዝኸፍእ ውግእ ትነብር። ካብ ሰላማዊ ሃገርካ ኣምሊጥካ ኣብ ኲናት ዘለዎ ሃገር ሽሻይ ትረክብ። ሓንሳብ ዓለምካ ምስተገምጠለት ብኸምኡ እያ ትቕጽል።ኩሉ እቲ መገዲ ስለዘይሰርሕ ነታ ዓለም ብግምጣል ዝኸድዋ ሰባት ይበዝሑ። ምጽዓር የኽስር፡ ምትንዃል ዘሀብትም ይኸውን እሞ ሸያጢ ኣሕዋቱ ይበዝሕ። ምሁራትን ናይ እምነት ሰባትን ኣፎም ክሕዙ፡ ነቲ ዝፈልጥዎን ዝኣምኑሉን ሓቂ ክኽሕዱ ይግደዱ። ሓቂ ምንጋር ዘቕትል ገበን ይኸውን፡ እቶም ዝበዝሐ ዝሕስዉ መራሕቲ ይዀኑ። ትርጉም ዘለዎ፡ ፍረ ዘለዎ ዘበለ ኹሉ ፍጹም ይጽላእ።
ነታ እተግምጠለት ዓለም ናብ ሰፈራ መሊስካ ኸተዐርያ ቐሊል ኣይመስልን እዩ። ኩሉ ስለዝተገምጠለ ዘዝፈተንካዮ ይፈርስ። እቲ ብምግምጣላ ንጹሃት እናበልዐ፡ ክቡር እናመንዝዐ ዝነብር ገበል ዝሰዓር ኣይመስልን እዩ። መገዲ ግን ኩሉ ሳዕ ኣሎ።
እታ ግብእቲ ዓለም ምስቀነነት፡ ነቲ ዝሰዓበ ሓደጋ ምስርኣኻ፡ ፈለማ ብዙሕ ክትጠራጠር ኢኻ። ነቲ ኹነታት ዝሃበካ ሓላፍነት ንነዊሕ ግዜ ኽትሃድመሉ ኽትፍትን ኢኻ። ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ፡ ኣርሒቕካ እንተኸድካ ውን እታ ዝተገምጠለት ዓለም ከምዘይትዕረ ኽርድኣካ’ዩ።
ድሕሪ ነዊሕ ምጥርጣርን ከርተትን ልዕሊ ኹሉ እንታይ ከምዘድልየካ ነጺሩ ኽረኣየካ እዩ። እታ ዝተገምጠለት ዓለም ከተዕርያ ኽትጽውዓካ ኸላ ንኽትሰምዓ ኩሉ ነገር ክደፍኣካ’ዩ። ከይሰማዕካያ ሰላም ከምዘይትረክብ ርግጸኛ ኽትከውን ኢኻ።
እታ ዓለምካ ኽትቀንን ከላ ተሓቢእካላ ዝነበርካ በዓቲ ንዘልኣለም ከምዘይተንብረካ ምስፈለጥካ፡ ኩሉ ኸፍርሃካ ዝጸንሐ ጽላሎት ከምዝነበረ ምስፈለጥካ፡ ከም ቅጽበት ክትትንስእ ኢኻ። ትርጉም ዘለዎ ህይወት ክትነብር እንተዄንካ ነታ ዝቐነነት ዓለም ከተዐርያ ኸምዘለካ ኽትውስን ኢኻ።
ኣብታ ካብ ህይወት ናብ ሞት፡ ካብ ዕቤት ናብ ዕንወት፡ ካብ እምነት ናብ ጥልመት፡ ንኹሉ ገምጢሎም ሰሪሖማ ዘለዉ ዓለም ኣቲኻ ከምዘይትዕወት ክትፈልጥ ኢኻ። ስለዚ፡ ንኹሉ እቲ ዝሞተ ብህይወት ኣዐርዮ። ብገበን ንዝተፈጸመ ብሕጊ ፍትሓዮ። ብሓሶት ንዝተፈጥረ ቕርሕንቲ ብሓቂ ዕረቆ። ብተንኮል ንዝተሰረተ ጽልኢ ብግሉጽነት ናብ ፍቕሪ ለውጦ። ብምክሕሓድ ንዝወጸካ ኣቝሳል ብሓልዮት ኣሕውዮ። ሓሶት ንዘበለ ዝነገሩኻ ኹሉ ብሓቂ ለውጦ። ብቕትለት ንዝረኸብዎ ኹሉ ምሕረት ብምሃብ ኣግድፎም። ሃገር ዘይትምልከታ ንብረት ካልኦት ክትመስለካ ዝፈተንዎ ሃላፍነት ኩሉ ህዝብኻ ብምስካም ኣዐርዮ። ብሓሶት ከሲሶም መሰልካ እንተግዲፎምኻ ብሓቀኛ ርትዒ መሰሎምን መሰልካን ኣረጋግጽ። ብመገዶም ነታ ዓለም ከተዐርያ ኣይትኽእልን ኢኻ።
ከተዐሪ ክትጋደል ከለኻ ብዙሓት መጺኦም፡ “ነዛ ዝዓነወት ዓለም ካብ ምዕራይ በቲ ዝጸንሓቶ ትጽደፍ!” ክብሉኻ’ዮም። ነዛ ዓለም እዚኣ ጉሒፍና ካልእ ፍጽምቲ ዓለም ንህነጽ ክብሉኻ’ዮም። እቲ ፈለማ ንዓለምካ ዝገምጠላን ብድሕሪ ሕጂ ክግምጥሉዋ ዝደልዩን ኩላቶም ፍጽምቲ ዓለም ክማባጽዑልካ እዮም። ገሊኣቶም ግሩሃት እዮም፡ ገሊኣቶም በቶም ዓለምካ ኽትዕረ ዘይደልዩ ርኹሳት ዝተላእኩ እዮም። ሓይሎም ኣብ ምምብጻዕን ምጥላም እዩ። ዘይእመን ዘህርፍ መብጽዓ ሒዙ ዝመጸካ እይትመን። ብዘይካ ንኹሉ ነገር በበቲ ክዀኖ ዝግብኦ ምግባር ካልእ ኣቋራጭ መገዲ የለን። ዝብጻሕ ዘበለ ብመገዱ ምስከድካዮ ጥራይ እዩ ዝብጻሕ።
ኣብ ዓለም ፍጽምና ከምዘየሎ፡ ስለዚ ድማ ስርዓት ከምዘድሊ፡ ኩሉ ነናቱ ኽገብር ከምዘለዎ ንገሮም። ፍጽምና ኣብ ሰማይ እምበር ኣብ ምድሪ ዝማባጽዓልካ ኹሉ ዓማጺኻ እዩ። ዓለምካ ከም ስርዕቲ ዓለም እምበር ከም መንግስተ ሰማይ ክትከውን ኣይትመነየላ። ንመንግስተ ሰማይ ዝሞቱ ጥራይ እዮም ዝርእይዋ። ዓለም ጐደሎ ምዃና ተቐበሎ። ቀስ ብቐስ ነቲ ዘዝጐደለ እናመላእካ ዘዝበለጸት ዓለም እናሰራሕካ እርጋንን ሞትን ከርክበካ’ዩ። ንደቅኻን ደቂ ደቅኻን ርግእቲ ዓለም ክትገድፈሎም ኢኻ።
ኣብ ጉዕዞኻ ኩሉ ዝተጸበኻዮን ዘይተጸበኻዮን ዕንቅፋታት ከጋጥመካ’ዩ። ዕጥቂ ኽውሕደካ’ዩ፡ ዝኣመንካዮም ክጠልሙኻ’ዮም፡ ከተድሕኖም ዝደለኻ ኽቃወሙኻ’ዮም። ምስቲ ኹሉ ዓቐብን ቁልቁለትን፡ ቁርን ጸሓይን፡ ስዕረትን ዓወትን ዘይገመትካዮ ንጻረ ሓሳብን ጽሬት መገድን ክትረክብ ኢኻ። ኣብዚ ምስበጻሕካ ምሉእ ርግኣት ኣእምሮን መንፈስን ወኒንካ ኽትጕዓዝ ኢኻ። ኣብ መንጎ ኣብ ህይወት ዘሎ ሞትን ኣብ መስዋእቲ ዘሎ ህይወትን ዘሎ ፍልልይ ክገሃደልካ’ዩ። እትፈልጦ ዘበለ ኹሉ ሓድሽ ትርጉም ክሕዝ’ዩ፡ እንደገና ኸም ቐደሙ ኣይክኸውንን’ዩ።
ስርዓት ክምለስ ምስራኣዩ ኩሎም እቶም ኣብ ስርዕቲ ዓለም ሓያላት ክዀኑ ዝግብኦም ክስዕቡኻ እዮም። ዘይከምታ ብጻዕረ ሞት እትንበር ዝተገምጠለት ዓለም፡ እታ ዝተዓረየት ዓለም ብስራሕ እምበር ብፍርህን ምጥርጣርን ኣይኰነትን እትህነጽ። ሰባት ንገዛእ ህይወቶም ከጸብቑ ኽብሉ ዝግባእ ምስሰርሑ እታ ዓለሞም ድማ ባዕላ ኽትዕረ እያ።
ንኹሎም ዘፍርሁኻ ምስደፈርካዮም፡ ብጽላሎት ዝቘመ ኣካላት እቲ ኣብ በዓቲ ተሓቢኡ ዝነበረ ገበል ክበንን እዩ። ፍርህታትካ ናብ ትብዓት ክልወጥ’ዩ። ነቲ ገምጣሊ ዓለምካ ኽትኣልዮ ኢኻ። እታ ዓለም ድማ ብጅግንነትካ ኽትድነቕን ከተኽብረካን እያ።
እቲ ዝቐተልካዮ ድራጎን ግና ገና ኣይተረትዐን። ቀሊል ጽላሎት ኣይኰነን። ካብ ሰባት እትቕበሎ ኣድናቖትን ኣምልኾን ኰይኑ ንመወዳእታ እዋን ክዋግኣካ ኽትንስእ እዩ። ብሓልይልን ዓመጽን ምስመጸ ስለዝሰዓርካዮ ገጹ ቐይሩ ዓበይትን ዘህርፉን መብጽዓታት ሒዙልካ ኽመጽእ እዩ። ኣብ በረኻ ዝሰዓርካዮ ጸላኢኻ ኣብ መንፈስካ ኽሰፍር ክፍትን እዩ። ኣብዚ ድማ’ዩ እቲ ዝዓበየን ዝበርትዐን መስዋእቲ እትሕተቶ። ኣብዚ ምስበጻሕካ ብዓወትካ ተደኒቕካ ርእስኻ እንተምሊኽካ፡ ነቶም ካልኦት ውን ከምልኹኻ እንተሓዲግካዮም፡ እታ ዘድሓንካያ ዓለም ደጊማ ዘይትዕረ ዀይና ኽትፈርስ’ያ። እታ ዓለም ናባኻ ብዝተኣከበ ሚዛን ክትቀንን ስለዝዀነት፡ ነቲ ብጅግንነትካ ዝመጸ ኹሉ ውዳሴን ክብርን ገዲፍካ፡ ንኹሎም እቶም ዘድሓንካዮም ዝሃቡኻ ዘበለ ክብርን ስልጣንን ክትመልሰሎም ክትሕተት ኢኻ። እዚ እንተኽኢልካ እታ ዘድሓንካያ ዓለም ንዘልኣለም ዘይትቐንን ኰይና ኽትነብር እያ።
ኣብዚ ምስበጻሕካ ንኹሉ እቲ ኽትቀንን ዝደፍኣ ዝነበረ ኣሊኻዮ ኣለኻ፡ ጉዕዞኻ ኽዛዘም’ዩ። እታ ዝተቓለስካላ ዓለም ብሓቂ ኽትቀንዕ’ያ። ኪንዮ መንበር ስልጣን ኣብ ዙፋን ክብሪ ኣብ ልቢ እቶም ዘድሓንካዮም ክትነብር ኢኻ። ኩሎም መንበር ስልጣን ዝሕዙ ልዕሊኦም ክቘጽሩኻ’ዮም። ዓለምካ ቅድሚ እቲ ዝሓለፈቶ መከራ ዘይግመት ዝነበረ ርጉጽነት ክትረክብ’ያ። ከምቲ ቐዲማ ዝወደቐቶ ፈጺማ ኣይክትሳናኸልን እያ።