ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ፡ ብ12 ሰነ ኣብ ከባቢ መዝራዓ ብነጋዶ ደቅ-ሰብ ኣብ ዝዉነን መጻንሒ ማእከል ንዝረኸብዎም ሓያለ ኤርትራዉያን ዝርከብዎም ኣስታት 190 ስደተኛታት፡ ናብ መዳጎኒ ማእከል ኣቢሎምዎም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።
እቶም ስደተኛታት ብደላሎን ኣሰጋገርቲን ተታሊሎም ልዑል መጠን ገንዘብ ብምኽፋል፡ ንጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ዝጽበዩ ዝነበሩ እዮም። ነጋዶ ደቂ-ሰብ ፡ ካብ ገማግም ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ጥጡሕ መንገዲ ከምዘሎ እንዳወዓውዑ ፡ ካብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ሓደስቲ ስደተኛታት ብምምሳጥ ልዑል መጠን ገንዘብ ንምኽዕባት ሰፊሕ ወፍሪ ጀሚሮም ከምዘለዉ ኽግለጽ ቀንዩ እዩ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብ14 ሰነ፡ ኣብ ማያዊ ገማግም ዛዉያን ትሪፖሊን ኣብ ዘካየድዎም ሓሙሽተ ስርሒታት፡ ብጠቕላላ ልዕሊ 1,000 ስደተኛታት ቀዪዶም ብምምላስ፡ ናብ’ተን ብሕሱም ኣተሓሕዛ ዝልለያ መዳጎኒ ማእከላት ከምዝወሰድዎም፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
ሓይልታት ጸጥታን፡ ኣሃዱታት ሓለዋን ባሕሪን ሊብያ፣ ኣብ መሬትን ማያትን እታ ሃገር ንዝረኸብዎ ስደተኛ ቀይዶም ሻቡ ናብ መዳጎኒ ማእከላት ንምግዓዝ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ናህሪ ይነጥፉ ከምዘለዉ እዉን ክፍለጥ ይግባእ።
ካብ ሊብያ መውጽኢ ስኢኖም ንዓመታት ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት እንዳሃለዉ፣ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ናብ ሊብያ ተጓዒዝካ ንኤውሮጳ ንምብጻሕ ፈጺሙ ዝከኣል ከምዘይኮነ እዉን ፡ ብዙሓት ንድሕነት ስደተኛታት ዝሕለቚ ኤርትራዉያን ኪመኽሩ ጸኒሖም እዮም።