ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛትት ፣ “ብመንገዲ ሊብያን ማእከላይ ባሕሪን ናብ ኤውሮጳ ንምእታዉ ዘኽእል ውሕስ መንገዲ ኣሎ” ብዝብል ናይ ሓሶት ወረ ተደናጊሮም ንጉልበታዊን ገንዘባዊን ምዝመዛ ነጋዶ ደቅ-ሰብ ይቃልዑ ከምዘለዉ፡ ንድሕነት ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዝሕለቚ ኤርትራዉያን ተንቀሳቀስቲ ይሕብሩ ኣለዉ።
‘ሱርባና’ ናይ ዝተባህለ ተሓላቒ ትካል ኤርትራዉያን ስደተኛታት ሓላፊ ዝኾነ ኣቶ ጆርጆ ገብረስላሴ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመገዲ ፈይስ-ቡክ ኣብ ዘካፈሎ ሓበሬታ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኢትዮጵያ ከምኡ’ዉን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት፡ በቲ ናይ ሓሶት ወረ ተዳፊኦም ልዑል መጠን ገንዘብ ብምውጻእ ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ይውስኑ ምህላዎም፣ ሊብያ ኣብ ዝበጽሕሉ ድማ ሻቡ ንመጭወይቲን ማእሰርቲን ተቓሊዖም – ንመልቀቒኦም ከምእንደገና ዝተዓጻጸፈ መጠን ገንዘብ ኪኸፍሉ ይግደዱ ከምዘለዉ ኣረዲኡ።
ኣቶ ጆርጆ ወሲኹ፡ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ዝካየድ ጉዕዞ ልዕሊ ካልእ እዋን ኣጸጋሚ ኸምዘሎ ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ሓደስቲ ስደተኛታት ከይቀርቡወን ይሰርሓ ከምዘለዋ፣ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ጉዕዞ ንዝረኣይዋ ናይ ስደተኛታት ጃልባ ሒዞም ንምምላስ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ከምዝርከቡ ፣ ከምኡ’ውን ኣብ’ቲ መስመር ጉዕዞ ኣብ ሓደጋ ንዝወድቊ ስደተኛታት ዘድሕና መራክብ ንጥፈታተን ተቀይዱ ከምዘሎ ብምዝኽካር ፣ እቲ ብመንገዲ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ውሑስ መንገዲ ኣሎ ዝብል ዘረባታት ነጋዶ ደቂ-ሰብ ውጹእ ሓሶት ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።
ገለ ብደላሎ ተደናጊሮም ካብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናብ ሊብያ ዝብገሱ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ፡ ናብ ሊብያ ብሰላም ከምዝኣተዉ ንመሓዙቶምን መቕርቦምን እንተስዲዖም፡ ዝኽፍልዎ ገንዘብ ኺጎድለሎም ከምዝኾነ ስለዝንገሮም እዉን፡ እቲ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንሓያለ መደብ ዘይነበሮም ስደተኛታት ናብ ሓደጋ ይደፍእ ምህላዉ ይንገር።
ኣብ ሊብያ ፡ ሓያለ ኤርትራዉያን ዝርከብዎም ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ካብ’ታ ብጸጥታዊ ውድቀት ተሰኒፋ ዘላ ሃገር መውጻኢ ስኢኖም ፡ ኣብ መጻንሒ ማእከላትን መዳጎኒ መዓስከራትን ይሳቐዩ እንዳሃለዉ፣ ሕጂ ካብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናብ ሊብያ ዝሕሰብ ጉዕዞ ካብ ነብሰ-ቅትለት ፈሊኻ ዘይርአ ስጒምቲ ከምዝኾነ ኣዉን ካልኦት ኤርትራውያን ተሓለቕቲ ስደተኛታት ይገልጹ።
ኣብዚ ግዜ እዚ ኣሽሓት ኣብ ሊብያ ዝተዓግቱ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ፡ ናብ ዝሓሸ ጸጥታ ዘለወን ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ኺግዕዙ ንትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕለታዊ ይምሕጸኑ ምህላዎም ይፍለጥ።
ኣብ ሊብያ ንኩሉዓይነታዊ ሓደጋታት ተቃሊዖም ዝርከቡ ወገናትና ረዳኢ ኪረኽቡ ቀጻሊ ዘመተታት ምግባርን፡ ድምጺ እቶም ወገናትና ምዃንን ሓልፍነት ኩሉ ኤርትራዊ ከምዝኾነ፣ ብፍላይ ንድሕነት ስደተኛታት ብመሪሕነት ኣብ ልዕሊ ዝሰርሓ ኣህጉራዉያንን ዞባዉያንን ትካላት ዝግበር ቀጻሊ ጻዉዒት ጸገም እቶም ስደተኛታት ወገናትና ኣብ ምፍታሕ ዘይነዓቕ ጽልዋ ኪህልዎ ከምዝኽእል እዮም እቶም ኤርትራዉያን ተሓለቕቲ ብቐጻሊ ዝመኽሩ።