ክፍሊ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ መደበር ሳተላይት ተለቪዥን ኤሪሳት ንኣባላቱን ኣባላት ቲቪ-መለይን ናይ መባእታዊ ጋዜጣኝነት ስልጠና ሂቡ። ኣብ’ቲ ካብ 28 ለካቲት ክሳዕ 8 ግንቦት ፡ ን 12 ቀዳማት ዝተዋህበ ስልጠና 42 ሰባት ተሳቲፎም።
ኣብ’ቲ ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ብቑዕን ነዊሕን ተመክሮ ብዘለዎም ክኢላታት ዝተቓንዐ ስልጠና ፣ ኣብ መሰረታዊ ኣምራት ምድላዉ መደባት ናይ ካብ ስደት ዝፍኖ ተለቪዥን፣ መባእታዊ ኣጸሓሕፋ መደባት ተለቪዥን፣ ኣጸሓሕፋ ሰነዳዊ መደብ፣ መባእታዊ ኣተራጒማ ቃላት፣ ከምኡ’ውን ስነምግባር ኣብ መራኸቢታት ኣብ ዝብሉ ኣገደስቲ ሸነኻት ጋዜጠኝነት ዝርዝራዊ ፍልጠት ተኻፊሉ።
እቲ ኤርትራዉያን ጋዜጠኛታትን ተንቀሳቀስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ስደት ንዘለዎም ብድሆታት ርዒሙ ዝተኻየደ ስልጠና፣ ጸገም ህዝብኻ እተቃልሓሉን ፍትሒ ኪረክብ ጽልዋ እትፈጥረሉን ዓዉደ-ኲናት ተቀዪሩ ንዘሎ መራኸቢ ብዙሃን ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ሚድያን – ብሞያዉነትን ብቕዓትን ንምጥቃሙ ዝዓለመ ኣዩ ነይሩ።
ክፍሊ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ኤሪሳት ፣ ንኣባላቱን ካልኦት ኣብ ዓዉዲ ጋዜጠኝነት፣ ተሓላቕነት ሰባኣዊ መሰላት፣ ማሕበራዊ ሚድያን ካልኣን ዝነጥፉ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ምሕደራ ሓበሬታ፣ ሓላፍነታዊ ሚድያን ንጥፈታት ሰብኣዊ መሰላትን ዛዕባ ዝገበሩ ስልጠናታት ሰሪዑ ይርከብ።