ሓይልታት ምክልኻል ክልል ትግራይ ንከተማ መቐለ ኣብ ምሉእ ቊጽጽር ከምዘእተዉዋ ይግለጽ ኣሎ።
ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ካብ ባይታ ረኺብናዮ ንዝበላኦ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር፣ ሰራዊት ፈደራል ካብ መቐለ ጠቕሊሉ ብሸነኽ ክልል ዓፋር መውጽኢ ሸነኽ ኸናዲ ከምዝወዓለ ብምጥቃስ፣ መንግስታዊን ክልላዊን ትሕተ-ቅርጺታት ኣታ ከተማ ኣብ ኢድ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣትዩ ምህላዉ ይሕብራ ኣለዋ።
ኣብ ክልል ትግራይ ብሓባር ወሪሮም ዝጸንሑ ኣዋናዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጉጅለ ህግደፍን ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ምዕባለ ዝኾነ መግለጺ ዛጊት ከምዘይሃቡ እኳ እንተተፈልጠ፣ ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ሓበሬታ ጉጅለ ህግደፍ ግን፡ እቲ ጉጅለ ኣቐዲሙ ካብ መሬት ትግራይ ስሒቡ ምቕናዩ ኽገልጻ ጀሚረን ኣለዋ።
ሚዛን ሓይሊ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ናብ ሓይልታት ምክልኻል ክልል ትግራይ ኽዘዙ ምቕናዩ፡ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ኪገልጹ ጸኒሖም እዮም።