ምስ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብምስጢር ዝተታሕዙ ጸጥታዊ ውዕላት ድሕሪ ማእታዉ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከቢድ ሰባኣዊን ንዋታዊን ዕንወት ክስዕብ ገይሩ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፣ ነቲ ምስጡር ወተሃደራዊ ምሕዝነት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምድያቡ ብከዉሊ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ‘ናቕፋ ትእምርቲ ጽንዓት’ ኣቃሊዑ።
በዚ መሰረት፡ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ጸጥታ፡ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕሪን ኢትዮጵያ፡ ምስ ላዕለዎት ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ዞባዊ ስለያን ጉጅለ ህግደፍ ንምዝርራብ ፣ ኣብ ሰዓታት ምሸት ናይ 8 ሰነ 2021 ኣስመራ ኣትዮም ሻቡ ንባጽዕ ብምምራሕ ናብ ደሴት ዳህላክ ከምዘበሉ፡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ሰለስተ ላዕለዎት መኮንናት ሓይሊ ኣየር፣ ክልተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ኣሃዱታት ጸረ ነፈርቲ፣ ሸውዓተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪ፡ ከምኡ’ውን ሓላፊ ጸጥታ – እቶም ናብ ደሴት ዳህላክ ዝውምርሑ ኢትዮጵያዉያን ወተሃደራዉያን ሰብስልጣን ኾይኖም፡ ምስ ላዕለዎት ኣባላት ጸጥታን ስለያን ህግደፍ ነዊሕ ሰዓታት ዝኸዱ ርክባት ኸቃንዑ ቀንዮም ኣለዉ።
ብመሰረት መግለጺ ‘ናቅፋ ትእምርቲ ጽንዓት’፣ እቲ ምስጢራዊ ርክብ፡ ነቲ ካብ ግብጽን ሱዳንን ብቐንዱ ናብ ኢትዮጵያ ከምርሕ ዝኽእል ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ምክልኻል ብሓባር ክስረሓሎም ዘኽእሉ መንገድታት ንምንጻር ዝዓለመ እዩ።
‘ናቕፋ ትእምርቲ ጽንዓት’ ፣ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ናይቲ ምስጢራዊ ርክብ ኣብ ሓጺር ግዜ ከቕርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።