እዚ ካብ ዕለት 23 ግንቦት 2021 ድሮ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዝጀመረ ናይ ምልዕዓልን፡ ጎስጓስን ምዝርጋሕ በረርቲ ጽሑፋትን ኣብ ከተማታት ተሰነይ፡ ባረንቱ፡ ኣቁርደት፡ ኣስመራ፡ ባጽዕን፡ መንደፈራን ተኻይዱን፡ ብዓወት ይቕጽል ምህላዉ ምንጭታት ይኣክል ካብ ዉሽጢ ይሕብሩ። እዚ ዕዉት ስራሓት’ዚ ብዓለምለኻዊ ምንቕስቓስ ይኣክልን ካልኦት መሳርሕትን ዝተዳለወ ናይ መጎስጎሲ በረርቲ ወረቓቕትን ናይ ጻዉዒት ደብዳቤታትን ዝሓዘ ንምልዕዓል ህዝቢ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቅንያት በዓላት ናጽነት ብስፍሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ከምዝተዘርግሐ፡ ምንጭታትና ካብ ዉሽጢ ዓዲ ኣረጋጊጾም።
ዛጊት 35% ናይ እቲ ተልእኾ ጥራሕ እኳ ተዓሚሙ እንተሃለወ፡ በዚ ዝተወስደ ስጉምቲ ኣካላት ጸጥታ ህግደፍ ተሰናቢዶም ምህላዎምን፡ ንምብርዓኑን ነቲ ዝተዘርገሐ ወረቓቕቲ ንምእካብን ብዙሕ ሓይሊ ናይ ጸጥታን ሓለዋን ኣዋፊሮም ምህላዎምን ተረጋጊጹ ኣሎ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሕ ቀጻሊ ኮይኑ፡ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ስራሕን
መረጋገጺ ስእልታትን ምስበጽሓና ከነስዕበልኩም ምዃናን ቃል እንዳኣተና ንሕጂ ኣብ ኢድና ዝበጽሐ ብኸምዚ ነቕርቦ።
ኣብ ከተማ ተሰነይ፡ ዝተገበረ ናይ ምዝርጋሕ መስርሕ ኣብ መንግስታዊ ቤትጽሕፈታት፡ መንበሪ ገዛዉቲ፡ ግምሩክ ተሰነይ፡ ቤት ጽሕፈት ቴለኮምንክሽን ተሰነይ፡ ቤት ትምህርቲ፡ ሹቅ (ሱግ ኣልሻዓቢ ተሰነይ) ኣብ ዱካናትን፡ ወዘተ ሰፊሕ ቦታታት ዝሸፈነ ወረቃቅቲ ተዘርጊሑ። መንእሰያትን ተማሃሮን ተሰነይ ነቲ መጽሔታታትን በረርቲ ጽሑፋትን ተገዲሶም ከንብብዎ ከምዝተራእዩን ፡ ኣብ ሞንጎ መንእሰያትን ኣካላት ጸጥታ ርኡይ ዝኾነ ተቓዉሞን ምትፍናን ከምዝተፈጥረን ተሓቢሩ። እዚ ዝስዕብ ስእሊ ኣብ ህዝባዊ ተሌፎናት ተሰነይ ዝተዘርገሐ መልእኽቲ ዘርኢ ስእሊ እዩ።
ኣብ ከተማ ባረንቱ፥ ተመሳሳሊ ኣብ ከባቢ ፈርቶ፡ ማእከላይ ቤጽሕፈት እዚ ምዕራብ፡ ኣብ ሆቴላት፡ ምምሕዳር ዞባን፡ ኣብ ማእከል ከተማ፡ እንዳ ኣውቶቡስ፡ ኣብ ቦጥ ናይ ማይ፡ ወዘተ ተዘርጊሑን ንጸጥታ ጉጅለ ኢሰያስ ስንባደ ካብ ዝፈጠረን ሓደ እዩ። ኣብ’ዚ እቲ ኣብ ቦጥ ናይ ማይ ዝተለጠፈ ወረቓቕቲ መራሒ መኪና ናይ እታ ቦጥ ከይራእዮ ኣብ ቤት ጽሕፈታት ሎጂስቲክ፡ ሕክምናን፡ ኤምዳድን ማይ ክዕድል ክትዘዉር ምርፋዳን ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ከምዝበጽሐን፡ ኣብ ምወዳእታ ምስተፈለጠ ድማ ነቲ መራሒ መኪና ን72 ሰዓታት ከምዝኣሰሩዎ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ’ዚ ዕላማ ዓለምለኻዊ ምንቕስቃስ ይኣክል ይኹን ምንቅስቓስ መንእሰያት እቲ መልእኽቲ ናብ ህዝብና ንምብጻሕ እምበር ነቲ መራሒ መኪና ኣብ ሓደጋ ንምእታዉ ከምዘይኮነ ከነፍልጥ ንደሊ።
ርእሰ ኸተማና ኣስመራ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ከባቢታት ካቴድራል ኣስመራ፡ ከባቢ ኤምባሲ ኤመሪካ፡ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፡ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ፡ ቤት ትምርህቲ ባርካ፡ ከባቢ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ፖሊስ ትራፊክ፡ ወዘተ ተዘርጊሑ። እዚ ዝስዕብ ስእሊ ኣብ ፊት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ሓወልቲ/ ማርሞ ዝተዘርገሐ ወረቐት እዩ።
እዚ ልዒሊ ዘሎ ስእሊ ኣብ ዉሽጢ ቀጽሪ ካቴድራልን፡ ማዕጾ ቤ/ጽሕፈት ምክልኻል ሎጀስቲክስ ኣብ ኣስመራ ዝተዘርገሐ ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ ብዝሒ ህዝቢ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢ ካቴድራል ንዝተበተነ ወረቓቕቲ ንምእራይ ብዝሒ ዘሎዎም ናይ ጸጥታ ኣባላት ከምዝተዋፈሩ ኣካየድቲ ናይ እዚ ስርሒት ሓቢሮም።
ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ፥- እዉን ብርክት ዝበለ ወረቃቅቲ ኣብ፡ ኣማተረ፡ ዕዳጋን፡ ኩትምያን ዝበሃሉ ቦታት ኣብ ጻዕቂ ህዝቢ ዝነብረሉ ኣከባቢታት ወረቃቅቲ ተዘርጊሑ ቀንዩ። ተመሳሳሊ ኣብ ከተማ መንደፈራ፡ ቤት ትምህርቲ ሳን ጆርጆን ኣብያተ እምነታትን ተዘርጊሑ ቀንዩ።
እዚ ትንፋስ ዘይህብ፡ ብጽፉፍ ምውህሃድ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝተኻየደ ምዝርጋሕ ወረቃቅቲ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ዓቢ ስንባደ ፈጢርሉ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ ዓቅሉ ጸቢብዎ፡ ንዝተዘርገሐ ወረቓቅቲ ንምጥርናፍ ብዝሒ ሰብ ኣዋፊሩ ላዕልን ታሕትን ክብል ቀንዩ ኣሎ። ኣብ ተሰነይ፡ በቲ ብዝሒ ዘለዎ ወረቃቅቲ ተሰናቢዱ ገዛ ገዛ ኣትዩ ከምዝፈተሸን ብሎኮታት ዓጽዩ ካብን ናብን ተፍትሻት ከምዘካየደን ይፍለጥ። ኣብ ባረንቱ ተመሳሳሊ ናይ መንእሰያት ግፋ ከምዘካየደ ተረጋጊጹ ኣሎ። ተመሳሳሊ ኣብ ኣስመራ ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከባቢ ካተድራል ዝተዘርገሓ ወረቃቅቲ ንምአካብ ላዕልን ታሕትን ክብል ሓዲሩ። ብሎኮ ኣስመራ ከረን፥ብሎኮ ባጽዕ፡ ብሎኮ ደቀምሓረ፡ ብሎኮ መንደፈራ፡ ዓጽዩ ተፍትሽ ኣካይዱ። መዓስከር ቃኘውን፡ ምንስትሪታትን ተደራቢ ሓለዋ ብምውሳኽ ኣብ ጎደናታት ተፍትሽ የካይዱ ኣሎዉ። ብሰንኪ እዚ ኣስመራ ኣብ ወጥሪ ከምዝቐነየት ተፈሊጡ። ብዘይካ እዚ ኣብ
ማይ ነፍሒን ኮሌጅ ሓልሓለን ዝተካየደ ምዝርጋሕ ወረቃቅቲ፡ ንተመሃሮ ፍናን ንጸላኢ ስንባደ ፈጢርሉ ኣሎ። ካብ ኮሌጃት ማይ ነፍሒ ልዕሊ 3000 ተማሃሮ ናብ’ቲ ኣብ ኣለቡ ዝርከብ ፋብሪካ ሳልሳ፡ ጸባን ዉጽኢት ጸባን ነጻ ጉልበት ኽግብሩ ኣዉሪድዎም ምህላዉ ይፍለጥ። እዚ ስጉምቲ እዚ በቲ ሓደ እቲ ልሙድ ተግባሩ ዝኾነ ባርነታዊ ምዝመዛ ጉልበት ንምኽሳብ በቲ ኻልእ ድማ፡ ነቲ ንዝብጋገስ ተቓዉሞ ተማሃሮ ከፋፊሉ ከበርዕኖ ብምሕሳብ እዩ።
ኣብ’ዚ ኩሉ መንእሰያትና ክፈልጥዎ ዘሎዎም እዚ ን30 ዓመት ጉልበት መንእሰይ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ ደም ኤርትራዉያን ዘይጸገበን፡ ኣብ ምጽናትና ተጊሁ ዝሰርሕ ዘሎ ኣጽናቲ ጉጅለ ኢሰያስ፡ ብሓባራዊ ቓልስን ስጡም ዉዳበን ካብ ምስዓሩን፡ ካብ ስልጣኑ ሚሕኻ ምጉሓፉን ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ስለዘይብልንና መንእሰያትና ኣብ ዝሃለኹም ሃሊኹም ተወዲብኩም ክትቃለሱ፡ ብዝልዓለ ፍናን ቃልስኹም ከተሕይሉ፡ ሓርነትና ንምርግጋጽ ዘድሊ ዋጋ ሓቢርና ክንከፍል ሎሚ ጽባሕ ዝበሃሎ ኣይኮነን፡፡ ከም ህዝቢ ወነንቲ መሰልና፡ መጻኢናን ሃገርናን ክንከዉን ተበግሶ ዓለምለኻዊ ይኣክልን ምንቅስቓስ መንእሰያት ንደሞክራስን ፍትሕን ይጽዉዕኹም ኣሎዉ። ኣካልን ኣምሳልን እዞም ኣብ ከብዲ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑም እዚ ዕዉት ስራሓት ዘካይዱ ዘሎዉ ጀጋኑ መንእሰያት ክትኮኑ እንዳ ጸዋዕና፡ ተበግሶ ዓለምለኻዊ ምንቕስቃስ ይኣክል፡ ኣብ ጎድንኹም ምህላዉ የረጋግጸልኩም።
ብተወሳኺ፡ ብርክት ዝበልኩም ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ስነጥበበኛታት፡ ዓበይቲ ዓድን ጸለዉቲ ሰባትን፡ ካብ ዝተፈላላዩ ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ዕድሜኦም፡ ግዜኦም፡ ዓቕሞምን ክእለቶምን ዘወፍዩ ዘሎዉ ኤርትራዉያን ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን፡ ናይ ቀደም ናይ ቃልሲ ብጾትኩም፡ መዛንኹምን መሳርሕትኹምን ነበርን ናይ መጸዋዕታ ደብዳቤ ከምዝበጽሓኩም ይፍለጥ። እዚ መጸዋዕታ ደብዳቤ ወይ ብቐጥታ ኣብ ኢድኩም፡ ወይ እዉን ብመንገዲ ስድራቤትኩም ናብ ኢድኩም በጺሑ ኣሎ። ትሕዝትኡ ድማ ካብ’ዚ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ዝኸዶ ዘሎ ግጉይ ኣካይዳ፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምጥፋእ ፖሊሲን ጉዕዞን ነብስኹም ኣሪምኩም፡ ተጣዒስኩም ኣብ ጎድኒ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብኹም ክትኮኑ፡ ስቓይ ህዝብኹም ከብቅዕ እጃምኩም ከተበርክቱ ዝጽዉዕ እዩ። እዚ ብኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን፡ መቓልስትኹም ነበርን ህዝብኹምን ዝሕተተኩም ዘሎ ቅኑዕ፡ ሓልዮት ዝሓዘለን ሃገራዊ ሕቶ እዩ። ሕጂ’ዉን እቲ እዋን ኣይመሰየን። ህዝብና ካብ ባርነትን ጥፍኣትን ንምድሓን፡ ሃገርና ክብራን ሉኣላዉነታን ንምዉሓስን ምዕቃብን፡ ሕድሪ ሰማእታትና ንምፍጻም ሓቢርና ንቃለሰሉ ግዜ ሕጂ እያ። ዉልቀ-ምልክነት ከብቅዕን፡ ልዕልና ሕጊ ክነግስን አእጃምና ክንገብር ሕጂ ወስኑ፡፡ ምርጫኹም ኣይፋል ንምልኪ እወ ንፍትሒ ይኹን። ተበግሶ ዓለምለኻዊ ምንቕስቓስ ይኣክልን፡ ምንቅስቓስ መንእሰያት ንደሞክራስን ፍትሕን፡ እቶም ብተናጸል መጸዋዕታ ዝገብርልኩም መቓልስትኹም ነበርን፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ጎድንኹም ኣሎ። ኢሰያስን ጉጅለኡን ከይቀደምኹም ቀድምዎም፡፡
ዕላማ ተበግሶ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክልን፡ መንእሰያት ኤርትራ ንደሞክራስን ፍትሕን ኢሰያስን ጉጅለኡን ተኣልዮም፡ ህዝቢ ዝመረጾ፡ ልዕልና ሕጊ ዘረጋግጽ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብር፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል፡ ሰላማዊት፡ ምዕብልትን ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክዉንቲ ንምግባር እዩ። እዚ ድማ እንትርፎ እቶም ብስልጣንን ምግባት ሃብትን ዝዓወሩ ኢሰያስን ዉሑዳት ጉጅለኡን፡ ናይ ኩሉ ህዝብና ድሌትን ራእይን እዩ፡፡ ስለዚ ነዚ ንምፍጻም ኣብ ጎድኒ ደላይ ፍትሒ ህዝብኹም ክትኮኑ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ይጽወዓኩም ኣሎ። መልስኹም ኣወንታዉን እወ ንፍትሒ፡ “ኣነ ምስ ህዝበይ እየ” ክትብሉ ንጽበየኩም ኣለና።
እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሕ ቀጻሊ ኾይኑ ምዝርጋሕ በረርቲ ወረቓቕቲ፡ መጽሄታትን፡ መጸዋዕታ ደብዳቤታትን ዘጠቓልል ስራሕ እይ፡፡ ነዚ ዝተኻየደ ንጥፈታትን ዝካይድ ዘሎን ዝገልጽ ስእልታትን ጸብጻብን ምስ በጽሓና በብእዋኑ ከነስዕበልኩም ምዃና ደጊምና ቃል ንኣቱ። ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!
ተበግሶ ዓለምለኻዊ ምንቕስቃስ ይኣክል፡ ምስ ምንቅስቓስ መንእሰያት ንደሞክራስን ፍትሕን ንሓርነት ብሓድነት!!
ሰነ 4, 2021.