****ደሃይ ስደተኛታት ኤርትራውያንን ኩነታት ትግራይ -ኢትዯጵያን*****
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዬጵያ በይናዊ ቶኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ኣዊጁስ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዬጵያን ሓይልታት መንግስቲ ኤርትራን ካብ ክልል ትግራይ ሰራዊቶም ምስሓቦም ብናይ ውሽጥን ወጻእን ማዕከናት ዜና ካብ ዝጋዋሕ ሎሚ ሰሉስ 29 ሰነ 2021 ዓ.ም. ካላኣይ መዓልቱ ኮይኑ ኣሎ።
ኩነታትን መጻኢ ዕድላትን ኤርትራውያን ስደተኛታት!
ብ UNHCR (ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ) ዝተመዝገቡ ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ኣስታት 60 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ክልል ትግራይ ን ካልኦት ክፋላትን ከምዝርከቡ እናዘኻኸርና ኣብ ኣዝዩ ዘሰክፍ ኩነታት ምህላዎም ንሕብር።
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዬጵያን ኣብ ክልል ትግራይ ዝዓስከረ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን (TDF) ልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኩናት : ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳይ ምኻኖም ጸብጻብ ከንሰምዕ ጸኒሕናን ኣሎናን ።
ይኹን’ምበር ማሕበረሰብ-ዓለም ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዘድሊ ምትሕብባር ከምዘይገበረ ታሪኽ ምስክር እዩ። ኣብ’ዚ በይናዊ ተኹሲ ደው ምባል ስጉምቲ ወሲዱ ካብ ክልል ትግራይ ሰራዊቱ ምስሓብ ሲዒቡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ዝበዝሕ ክልል ትግራይ ብምቁጽጻሮም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዎም መዓስከራት ስደተኛታት ዛጊት ቴሎፎን መስመር ብዘይምህላዎ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ምህላዉ ንገልጽ ።
በዚ መሰረት ፣
1= UNHCR ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ኣስታት 60 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ውሑስን ዘተኣማምንን ዝዕቆብሉ ቦታ ንምግዓዝ ኮሬድዬ ክኽፈተሎም !!!

2= ኣብ መንጎ ክልተ ተራጸምቲ ኣጽዋር ዝዓጠቑ ሓይልታት ተቐርቂሮም ብምህላዎም ናይ መግቢ : ጽሩይ ማይ ዝስተ: ንቐዳማይ ረድኢት ዘገልግል ኣፋውስ ዘድሊ ካልእ ናውቲ ብህጹጽ ክቐርበሎም !!!

3=ብሕጊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ( UNHCR ) ስደተኛታት ካብ ናይ ኩናት ዞባ ምርሓቕ ዝብል ክትግበር ቅልጡፍ ስጉምቲ ትግባረ ክውሰድን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ምጥያስ ክቀላጠፍን !!!

4=ፈደራል መንግስቲ ኢትዬጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብሰብኣዊ መሰል ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን መሰል ስደተኛታትን ውዕልን ሕግን ክቕየዱን ከተግብሩን ንላበው !!!

ኣብ መደምደምታ ፣ ነቲ ቅድሚ ሕጅን ዝተገብራልና ሓገዝን ምትሕብባርን እናመስገና !!! ንድሕር ሕጂ’ውን ዘድሊ ሰብኣዊ ን ዲፕሎማስያውን ምትሕግጋዝኩም ከይፍለየና ንምሕጸን !!!
ካብ ኤርትራውያን ስደተኛታት
ኣዲስ ኣበባ
ኢትዬጵያ
ሰሉስ 29 ሰነ 2021ዓ.ም.