ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት: ኤርትራ ነቲ ብሰራዊታ ኣብ ዝሓለፈ 7 ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ቅትለትን: መብርሂ ክትህብ ሓቲቱ ።
ብ3 ሰነ 2021 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዘርጊሑ ዘሎ ጸብጻብ: ኣብ ሕዳር 2020: ሰራዊት ኤርትራ ንከተማ ሑሞራ ብከበድቲ ኣጽዋር ከምዝደብደባን 46 ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 200 ከምዝቆሰሉን ገሊጹ።
ብተመሳሳሊ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ገዛ ገዛ እናኣተዉ ሰላማውያን ከምዝረሸኑ መርትዖ ከምዝረኸበ አቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ብዘይካዚ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ትግራይ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቑቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን: ዘሕዝን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸመ ኣገንዚቡ።
እቲ ጸብጻብ ኣስዒቡ ካብቶም ንስልጠና ናብ ኤርትራ ዝመጹ ሶማላውያን እውን ኣብ ኩናት ትግራይ ከምዝተሳተፉ የነጽር።
በዚ መሰረት ኤርትራ: ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ: ኣብ ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማላውያንን ዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተሓታቲት ከምዝገብራ መግለጺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣረዲኡ።
ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቀድም ኣቢሉ: ነቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰደተኛታትን ካልኦት ሰላማውያን ሰባትን ብሰራዊት ኤርትራ ዝተፈጺሙ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከጻርዮን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ክዘራረብን ሓቲቱ እኳ እንተነበረ: ጉጅለ ህግደፍ ግን ንጠለብ እቲ ውድብ ነጺግዎ ኢዩ።
ወኪል ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ሶፍያ ተስፋማርያም ድማ: ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ኣብ ቅድሚ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀሪባ ነቲ ብሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክትሕተትን መብርሂ ክትህብን መጸዋዕታ ኣቅሪቡላ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ቀንዲ የማናይ ኢድን እምንትን ጉጅለ ህግደፍ ዝኾነት ሶፍያ ተስፋማርያም: ብ16 ሚያዝያ 2021 ንፈለማ እዋን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዝኣተወን ገበናት ከምዘይፈጸመን: ንባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደብዳቤ ከምዘረከበት ይዝከር።
ሶፍያ ተስፋማርያም ብስቃይን ሞትን ህዝቢ ኤርትራ ሓልዮት ዘይብላን ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕርን ምድረበዳ ሳህራን ዝሞቱን ሕሰም ዝረኽቡን ኤርትራውያን: “ጸጊቦም ኢዮም: ኣብ ኤርትራ ጸገም ፖለቲካ የለን” ኢላ ዝሓጨጨት ጠላምን ብዛዕባ ኤርትራ ፍልጠት ዘይብላን ቅልውላው መንነት ዘለዋን ሰብ ኢያ።