ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መዓስከር ሰደተኛታት ማይ ዓይኒ: ብ1 ሓምለ 2021 ኣብ ልዕሊ 6 ኤርትራውያን ስደተኛታት
ብዕጡቃት ምልሻታት ዓመጽን ማህረምትን ከምዘጋጠሞም ማሕበር ተራድኦ ሱርባና ሓቢሩ።
ኣቦ መንበር ማሕበር ተራድኦን ተጣባቂ ስደተኛታትን ኣቶ ጆርጅ ገብረስላሴ: ንኹሉ ኤርትራውን ትካላት ግብረሰናይ ማሕበራትን መንግስታትን ኣብ ዘቕረቦ መጸዋዕታ:
ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ዜጋ ንስለ እዞም ኣብ ክልተ ሓዊ ተቀርቂሮም ዝሳቀዩን ሕሰም ዝወርዶም ዘሎን ኤርትራውያን ስደተኛታት ክጣበቀሎም ተማሕጺኑ።
ኣቶ ጆርጅ ብተወሳኺ: ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣህጉራውያን ትካላትን ከምኡ እውን ኣብ ትሕቲኡ ዝነጥፋ ንኡሳን ጨናፍርን: ጸጥታዊ ውሕስነትን ኣገልግሎት ረድኤትን ከውሕሳን ከምዝግባእ ሓቢሩ።
ኣብ ወጻኢ እንርከብ ኤርትራውያን ድማ ነቶም ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዓቢ ሓደጋ ዝርከቡ ዜጋታትና: ድምጺ ክንኮኖምን ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙን: ንውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዝምልከቶም ወገናትን ምሕጽንታ ከነቅርብ ከምዝግባእ ኣቶ ጆርጅ ኣዘኻዘኺሩ።
ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ28 ሰነ በይነኣዊ ተኹሲ ጠጠው ኣቢለ ምስበለ: ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት መብራህቲ: መጓዓዝያ: ኢንተርነት: ባንኪ ስለዘየለ ተካላት ግብረሰናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ክምለስ ይጠልባ ኣለዋ።
ኣብ ክልል ትግራይ ርጉእ ኩነታት ስለዘየለን መባእታዊ ኣገልግሎት ስለዘቋረጸን እቶም ኣብ መዓስከራት ማይዓይኒ: ዓዲ ሓርሽን ካልእ ከባቢታት ትግራይን ዘለዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት: ኣብ ዳግማይ ህልቂትን ሰብኣዊ ጭፍጨፋን ከየጋጥሞም ዓቢ ስግኣት የንጸላልዎም ኣሎ።