ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ናይ ክልል ትግራይ፡ ድሕሪ ምውጻእ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ፣ ብ30 ሰነ ክሳብ ደቂ ሓደ ዓመት ህጻናት ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ብጥይት: ብበትሪ፡ ፋስን ዳርባ እምንን ከምዝተቀትሉ ፡ ኤርትራዊ ማሕበር ተራድኦ ሱርባና ንዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ይሕብር ኣሎ።
ማሕበር ተራድኦ ሱርባና፡ ነዚ ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተፈጸመ ቅትለትን ዓመጽን፡ ማሕበረሰብ ዓለምን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዕቱብ ቆላሕታ ኽገብርሉ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታትን ካልእ ከባቢታትን ክልል ትግራይ ዘለዉ ኤርትራውያን ተመሳሳሊ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ከይውሰድ ድማ ብዝቀልጥፈ ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙን ዕጡቕ ኣህጉራዊ ሓይሊ ክምደበሎምን ብህጹጽ ጸዊዑ ኣሎ።
እዞም ኣብ ከተማ ሽረ ብዕጡቓትን ህዝብን ተቐቲሎም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ልዕሊ 370 ከምዝኾኑ ዝሓበረ ማሕበር ተራድኦ ሱርባና፣ እቶም ግዳያት ናብ መዓስከር ማይ-ዓይንን ዓዲ-ሓሩሽን ንኽኣትዉ ዝጽበዩ ዝነበሩ ምዃኖም ኣረዲኡ።
ማሕበር ተራድኦ ሱርባና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይዓይኒንን ዓዲሓርሽን ካልእ ከባቢታት ትግራይን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተፈላለዩ በደላት ኽወርድ ጀሚሩ ምህላዉ ክሕብር ቀንዩ እዩ።
ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት መብራህቲ፡ ኢንተርነት፡ ተለፎን፡ መጓዓዝያን ባንኪን ስለዘየለ፡ ንድሕነትን ህልዉ ኩነታትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቀረባ ንምክትታል ኣጸጊሙ ከምዘሎ ኣብ መወዳእታ ዝጠቐሰ ማሕበር ተራድኦ ሱርባና፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን፡ እቶም ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ዝግዕዝሉን ድሕነቶም ዝረጋገጸሉን ባይታ ክፈጥሩ ደጊሙ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።