ዓለም ለኸ ይኣክልን ECC ን ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስንኩላን ቤት ትምህርታትን ሓገዝ ሂቡ
መቐጸልታ ናይቲ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክልን፣ ECCን ፣ሕብረት ኤርትራውያን ንምምካት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጥሙር ተበግሶ፣ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራት፣ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ከካይድዎ ዝጸንሑ ንጥፈታት፣ ኣብ ሱዳን ዕዉት ፕሮጀክት ምምቕራሕ ሓገዝ ኣሰላሲሎም ። ኣብዚ ምስ ግብረሰናይ ማሕበር ARHHA ብምትሕብባር ዝተተግበረ ፕሮጀክት፣
ኣብ ከሰላ ንዝርከቡ 36 ስንኩላን ነባራት ተጋደልቲ ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዝ ክግበር እንከሎ፣ 18 ካብኣቶም ነፍስወከፎም $768 ዶላር ጥረ ገንዘብ ክወሃቡ እንከለዉ 18 ካብኣቶም ድማ ነፍስወከፎም 653 ዶላር ጥረ ገንዘብ ተዋሂቦም።
ብምቕጻል፣ንመሸፈኒ ወጻኢታት ሕክምና ሕሙማት $15,364 ዶላር ዝወድአ ወጻኢታት ክግበር እንከሎ፣ 5 ናይ ስንኩላን ዓረብያ (Manual wheelchair)፣ 5 ሞተርሳይክል ናይ ስንኩላን ዓረብያ፣
13 ናይ ስንኩላን ናይ ሽንትቤት ኮፍ መበሊ Commode Chairs ፣ ከምኡ ድማ ን 38 ሰባት ናይ መግቢ ሓገዝ ተጌሩ።
ብተወሳኺ ኣብ ካርቱምን ፖርት ሱዳንን ንዝርከቡ ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ነባራት ስንኩላን ተጋደልቲ ናይ $13,479 ወጻኢታት ሕክምና ተጌሩ።
ድምር ጠቕላላ ዝወጸ ወጻኢ ድማ $ 41፡364 ዶላር ኮይኑ።
ምስዚ ተተሓሒዙ ፣ኣብ ካርቱም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝመሃሩለን ቤት ትምህርታት ዴምን ጀሪፍን ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ
መኽፈሊ ደሞዝ ናይ 20 መምሃራን ናይ 4 ወርሒ ብጠቕላላ $ 4800፣መኽፈሊ ክራይ ቤት ትምህርቲታት ዴምን ጀሪፍን ናይ 6 ወርሒ $540 ዶላር ወጻኢ ክግበር እንከሎ፣ ብተወሳኺ ድማ ኣብተን ቤት ትምህርታት ንመከላከሊ ኮቪድ ዘገልግል ዋጋ $ 1591 ዶላር ዝወድአ ናውቲ ተዓዲሉ።
ብተወሳኺ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ መኽፈሊ ደሞዝ ናይ 21 መምሃራን ብጠቅላል $ 5040 ዶላር ወጻኢ ክግበር ከሎ
ን መጸገኒ ዝዓነወ ንብረት ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ዝውዕል ናይ $960 ዶላር ገንዘባዊ ሓገዝ ተጌሩ።
ከምኡ ድማ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ንተመሳሳሊ መዓላታት ዝውዕል ናይ $ 4800 ዶላር ገንዘባዊ ሓገዝ ተጌሩ።
ምስ ምኽሳት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ተተሓሒዙ፣ እዚ ንምሕጋዝ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተባሂሉ፣ብ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክልን፣ECC ን ዝቖመ ሓይሊ ዕማም ፣ነቲ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ብግዱሳት ኤርትራውያን ብወፈያ ዝረኸቦ ገንዘብ ኣብ ግቡእ መዓላ ንምውዓል፣ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ምስ ምኽሳት ኩናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፣ኣብቲ ኩናት ክካየደሉ ዝወርሐ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለያ መዓስከራት፣ ኣብ ዓቢ ሽግር ወዲቖም ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ብዙሕ ጻዕርታት ይካየድ እኳ እንተሎ፣ብ ርዱእ ምኽንያት ግን ክሳብ ሕጂ ኣዕጋቢ ስራሕ ክስራሕ ከምዘይተኻእለ፣እንተኾነ ግን እዚ ሓይሊ ዕማም ኣብ ቀጻሊ ጻዕርን ዳህሳስን ከምዘሎን፣ኩነታትን ግዜን ኣብ ዘፍቀዶ ከኣ እቲ ካብኡ ዝድለ ስራሕ ክሰርሕ ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ።
እዚ ካብዚ ቀጺሉ ዘሎ ናይ ተንቀሳቓስን ዘይተንቀሳቓስን ምስሊ ዝሓዘ ሰነዳት ኣብ ሱዳን ኣብ እዋን ምቕርሐ ሓገዝ ዝተወስደ እዩ።
ንኹልኹም ነዚ ፕሮጀክት ዕውት ክኸውን ሞራልኩም፣ ገንዘብኩም፣ ከምኡ ውን ሃናጺ ሓሳባት ዘበርከትኩም ምስጋናና ብስም እቲ ሓገዝ ዝበጽሖ ህዝቢ ይብጻሕኩም።
ዓለም ለኸ ይኣክልን ECCን