“ስጉምትታት ምፍዳይ-ሕነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ደዉ ክብል ይጽውዕ!” ፊሊፖ ግራንዲ
ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት፡ ቀጻሊ ግዳያት ናይ’ቶም ኣብ’ታ ክልል ብዝራጸሙ ኩሎም ሓይልታት ዝዉሰዱ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጒምትታት ጭውያ፡ መስወርቲ፡ መግረፍቲን ማእሰርቲን ኮይኖም ምህላዎም፣ ሓላፊ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ሓቢሩ።
ንሱ፡ ብ13 ሓምለ 2021 ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ ፣ ትካሉ ብኩነታትን ድሕነትን ናይቶም ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ቀጻሊ ሻቕሎት ከምዝርከብ ጠቒሱ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ናይ 2020 ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ካብ ዝጅምር፡ ዛጊት ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ተፈጺሞም ብዛዕባ ዝበሃሉ ኩሉዓይነታዊ በደላት እኹል መርትዖታት ውኒኑ ከምዘሎ ኣረዲኡ።
ኣብ ዉሽጢ’ዘን ዝሓለፋ 8 ኣዋርሕ ፣ ካብ ኣብ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ዝውረደ ዕንወትን ምምዝባልን ጀሚርካ ክሳዕ እቶም ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ሳምንቲ ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ብጸላም ክፍጸሙ ቀንዮም ዝተበሃሉ በደላት፡ ኣብ ቀጻሊ ሻቕሎት ከምዝርከብ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብ’ተን ስደተኛታት ዝርከቡለን መዓስከራትን ከተማታትን ክልል ትግራይ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ዝወርድ ዘሎ በደል ብቕልጡፍ ደዉ ክብል ጸዊዑ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፋ ሳምንታት ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣልማሚ ቅትለት ተፈጺሙ ንዝብል ዘረባ እኹል ሓበሬታ ዘየካፈለ ፍሊፖ ግራንዲ፣ ኣብታ ከተማ ብኣማኢት ዝቚጸሩ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ተኣሲሮም ኣለዉ ንዝብል ጥርዓን ግን ካብ ሰብ-መዚ ከተማ መቐለ መልሲ ክወሃብ ይጽበ ምህላዉ ኣረዲኡ ኣሎ።
ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብተራጸምቲ ሓይልታት ዝወርድ ወገናዊን ናይ ምፍዳይ-ሕነን በደላት ብመሰረቱ ቅቡል ከምዘይኮነ፣ እዚ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ደዉ ኽብል፡ ሰብ-ስልጣን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓላፍነቶም ከልዕሉ እዋኑ ምዃኑ እዉን ኣቶ ፊሊፖ ግራንዲ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታትን ሰላማዊ ህዝቢ እታ ክልልን ወሪዱ ዘሎ ሓደጋ ብሰብኣዊ ሓገዛትን ነቲ ሓገዛት ዘካውን ሰብኣዊ ኣጠማምታን ጥራይ ከምዝፍታሕ ዘተሓሳሰበ ኣቶ ፊሊፖ ግራንዲ ኣብ መወዳእታ፣ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ብቕልጡፍ ንኽባጻሕ ናይ መጓዓዝያን መራኸቢታትን ፣ ኤሌክትሪክን ባንኪን ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ስራሑ ክጅምር ኣገዳሲ ምዃኑ ብምስማር፣ ድሕነት ናይ’ቶም ኣብ መዓስከራትን ከተማታትን ክልል ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ንምርግጋጽ ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ብሓላፍነት ክሰርሑ ጸዊዑ ኣሎ።