ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይንን ዓዲ-ሓሩሽን ዘሎ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝካየድ ዘሎ ኲናት ዕለታዊ ይብእስ ከምዘሎ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ውድቡ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ብ15 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ከባቢታት እተን መዓከራት ብዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዛጊት ሓደ ስደተኛ ሞይቱ ምህላዉ ዝጠቐሰ እቲ እዋናዊ መግለጺ፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት እተን መዓስከራት ተግባራት ጭውያ፡ ርስያ፡ ማእሰርቲን መግረፍቲን ይፍጸሙ ምህላዎም ዘረጋግጹ መርትዖታት ከምዘለዉ ብምሕባር፣ ሓሓሊፉ ተዂሲ ብረት ኣብ ውሽጢ እተን መዓስከራት ይስማዕ ምህላዉ ኣረዲኡ።
ኣብዚ ግዜ’ዚ ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪን ጽዑቕ ምንቅስቓስ ሰራዊትን፡ ኣብ ሞንጎ ተቐርቂሮም ናብ ካልእ ኸየብሉ ተዓጊቶም ምህላዎም እዉን፡ ኣዋናዊ መግለጺ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳያ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ’ሎ።
ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታትን ወከልቲን እቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ፡ ነቶም ስደተኛታት ንምሕጋዝ ዛጊት ናብ’ተን መዓስከራት ኽበጽሑ ኸምዘይክኣሉ ዝሓበረ እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ፣ መንግስቲ ኢትዮጵን መንግስቲ ክልል ትግራይን ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ተቐዪዶም ኩሉዓይነታዊ መሰላት ናይ’ቶም ኣብ’ተን መዓስከራት ዘለዉ ስደተኛታት ክኽብሩን ንድሕነቶም ደዉ ክብሉን ጸዊዑ ኣሎ።
ሓላፊ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ውድቡ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ፍሊፖ ግራንደ፡ ዝሓለፈ 13 ሓምለ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፣ ኣብ ትግራይ ናይ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኩነታትን ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዘሎ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምታትን ኣዝዩ ኣሻቂልዎ ከምዘሎ ኣነጺሩ እዩ።