ህግደፍን ሰዓብቶምን ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ስደተኛታት ፖለቲካዊ መኽሰብ ኣለዎ ኢሎም ስለዝሓሰቡ፡ ተሓለቅቲ ክመስሉ ንብዓት ሓርገጽ ክነብዑ ንዕዘቦም ኣለና። ህግደፍ መሕፈሪ ዘይብሉ፡ ሓላዪ ስደተኛታት ክመስል፡ ንመሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምጥባቅ ብዝብል ምስምስ፡ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ኢሉ ንሰንበት ሓምለ 18, 2021 ኣብ ሎንዶን ዓቢ ሰለማዊ ሰልፊ ወዲቢ ኣሎ።
በዚ ናይ ህግደፍን ሰዓብቶምን ሰለማዊ ሰልፊ ኤርትራው’ስ ይትረፍ ውጻእተኛ’ውን እንተኾነ ክደናገር እዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ኩልና ከም እንፈልጦ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕን ግፍዕን ኣብ መላእ ዓለም ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ስደተኛታት እቲ እንኮ ተሓታቲ ህግደፍ ስለዝኾነ።
ኣቦታት ክምስሉ ንስካ እንተዘይትደፍኣኒ፡ መን መጽደፈኒ ይብሉ፡ ህግደፍ ነዞም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ስደተኛታት ካብ ዓዶም እንተዘያሳጉጎም፡ እዚ ሕጂ ዝወርዶም ዘሎ ግፍዕን መካርን ኣይምወረዶምን ነይሩ። ስለዚ ኩልና ኤርትራውያን ነዚ ናይ ህግደፍ ካብ ሓቂ ዝረሓቅ፡ እንትርፎ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ረብሓ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘይብሉ ሰለማዊ ሰልፊ ክንኩንኖ ይግብኣና።
ብተመሳሳሊ ኣብዚ ሰዓት ካብ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜናን፡ ወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንሰምዖ ክምዘለና፡ ሂወት ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ዕለት ናብ ዕለት እንዳበኣሰ ይኸይድ ስለዘሎ፡ ኩልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ድምጺ ክንኮኖም ይግባእ። ስለዚ ሲቪካውያን ማሕበራትን፡ ከተማታትን፡ ፖለቲካውያን ትካላት፡ እዞም ስደተኛታት ኣቃልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ንኽረኽቡ ዓቢ ሰለማዊ ሰልፊ ክውድቡ እዋኑ ሕጂ እዩ።
ራህዋን ሰላምን ንኣብ ትግራይ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት