ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ሽክለታ ኤርትራ ሎሚ ቀዳም 17 ሓምለ 2021 ካብ ኣስመራ ናብ ጃፖን ነቒላ። ሃገራዊት ጋንታ ነቲ ኣብ ከተማ ቶክዮ ሃገረ ጃፖን ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ውድድር ኦሎምፒክ ንምስታፍ እዮ። እታ ጋንታ ኣሰልጣኒ ሳምሶን ሰለሞን፡ ንተቐዳደምቲ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣማኑኤል ገብረዝጋብሄርን ሞሳና ደበሳይ ዝሓዘት እያ። ሞሳና ደበሳይ ኣብ ምድብ ቅድድም ሽክለታ ደቀንስትዮ ትወዳደር እታ ፈላሚት ጸላም ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ ኮይና ኣብ ኦሎምፒክ ክትሳተፍ እያ።
ኤርትራ ኣብ ናይ ቶክዮ ኦሎምፒክ ብሰለስት ዓይነታት ስፖርታዊ ውድድራት ከም ጉያ፡ ቅድድም ብሽክለታ፡ ከምኡውን ምሕንባስ ከምትሳተፍ ተፈሊጡ። ብኣጠቓላሊ 13 ስፖርታውያን ኣትሌታት 5 ደቅኣንስትዮ ዝርከባ ኦሎምፒካዊት ጋንታ ኤርትራ ምድልዋታ ወዲኣ ናብ ሃገረ ጃፖን ንውድድር ከከም መደባቶም ከምዘቕንዑ ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ሓቢሩ። በዚ መሰረት እቶም ተሳተፍቲ ውድድር ጉያ ኣትሌታት ብ 24 ሓምለ ከምኡውን ብ 30 ሓምለ ናብ ጃፖን ክኸዱ እዮም።
ኤሪሳት ንኦሎምፒካዊት ጋንታ ኤርትራ ዓወትን ጽቡቅ ዕድልን ትምነ።