ትማሊ ሓሙስ 15 ሓምለ 2021 ኤርትራውያን ዝርከብዋም 133 ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቑባን ካብ ከተማ ትሪፖሊ ሃገረ ሊብያ ናብ ከተማ ኪጋሊ ሃገረ ርዋንዳ ከምዝገዓዙ ላዕለዋይ ሓላፊ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (UNHCR) ጄን ፖል ካቫሌሪ ሓቢሩ።
እቶም ስደተኛታት ህጻናት፡ ኣዴታትን፡ መንእሰያትን ኮይኖም ካብ ሃገራት ኤርትራ፡ሶማልያ፡ሱዳንን፡ ደቡብ ሱዳንን ምዃኖም ተፈሊጡ።
ሰነዳት እቲ ውድብ(UNHCR) ድሕር 2017 ዓመተ ምህረት 6300 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ሳልሳይ ሃገር ከምዝገዓዙ የመልክቱ።