ሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ
ንሎሚ፡
* ጸብጻብ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 23 ዓመት፡
* ዜና ቶክዮ ኦሎምፒክ 2020፡
* ደሃይ ምስግጋር ተጻወትቲ፡
ሰናይ ምክትታል፡
* ፈለማ ጸብጻብ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 23፡
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 23 ተገሊፋ።
ኣብ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 23 ዓመት ክትሳተፍ ዝቐነየት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ግጥም ምስ ኢትዮጵያ 3 ብ 3 ብናይ ሓባር ዓወት ክትፈላለ ከላ ኣብቲ ካልኣይ መደብ ግጥማ ንብሩንዲ ገጢማ ብብሩንዲ ብጸብለታ ጸወታን ውጽኢትን 3 ብ 0 ተሳዒራ። ስልክ ናብ ርብዒ ፍጻመ ናይ ምሕላፍ ዕድላ ምህሙን እንተነበረ፡ ንውጽኢት ግጥም ብሩንዲን ኢትዮጵያን ክትጽበ ኔርዋ። ብሩንዲ ንኢትዮጵያ ብልዕሊ 3 ሽቶታት ክትስዕረላ፡ ኣብ ካልእ ምድብ እውን እተን ካልኣይ ደረጃ ዝሕዙ ሃገራውያን ጋንታታት ካብ ኤርትራ ዝተሓተ ነጥቢ ምስዝረኽቡ፡ ኤርትራ ብልጽቲ ካልኣ ኮይና ምሓለፈት። እዚ ግን ኣይኮነን። ብሩንዲ ምስ ኢትዮጵያ 1ብ 1 ብናይ ሓባር ዓወት ተፈላልዮም። በዚ መሰረት ኣብቲ ምድብ ብሩንዲ 4 ነጥቢ ሒዛ ቀዳማይቲ፡ ኢትዮጵያ 2 ነጥቢ ሒዛ ካልኣይቲ ፡ ኤርትራ ከኣ 1 ነጥቢ ሒዛ ሳልሳይቲ ደረጃ ብምሓዝ ካብቲ ውድድር ወጻኢ ኮይና።
* ናብ ዜና ቶክዮ ኦሎምፒክ 2020 ምስእንሰግር፡
ዓርቢ 23 ሓምለ 2021 ብወግዒ መጋረጅኡ ዝቐንጠጠ ቶክዮ ኦሎምፒክ፡ ንኤርትራ ድሕር ናጽነት ካብ ሲድኒ ኦሎምፒክ ክሳብ ቶክዮ ኦሎምፒክ ሻድሻይ ግዜ ባንዴራኣ ኣብ መድረኽ ኦሎምፒክስ ኣምበልቢላ። ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ኮይኖም ምስታፍ ዝጀመርሉ ነዊሕ ታሪኽ ተሰኒዱ ይርከብ ናይ 1964 ብየማነ ነጋሲ፡ፍስሓጽየን ገብረክርስቶስ፡ሚኪኤል ሰላምቢኒን ሱሌማን እምባየን ቶክዮ ተዘክሮ ኣለዋ።
ቶክዮ ኦሎምፒክ ብለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝፍተን ኦሎምፒክስ ኮይኑ ክዝከር እዮ።
ዝበዝሑ ሃገራውያን ጋንታታት ናብዚ ናይ ኦሎምፒክ ቁሸት ተወዳደርቶም ሰዲዶምን ኣብምስዳድ ይርከቡ። ኤርትራ ብ 13 ኣትሌታት 5 ደቀንስትዮ ብዝርከብዋ ሃገራዊት ጋንታ ትሳተፍ ኣላ። ኤርትራ ኣብ ቅድድም ሽክለታ፡ ጉያን ምሕንባስን ክትወዳደር እያ።
በቲ ዝወጸ መደብ መሰረት ቅዳም 24 ሓምለ 2021 ናይ 234 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ናይ ጽርግያ ውድድር ኤርትራ ብመርሃዊ ቅዱስን ኣማኑኤል ገብረዝጋብሄርን ክትወዳደር እያ። እዚ ውድድር ብናይ በርሊን ኣቆጻጽራ ሰዓት 4:00 ቅድም ቀትሪ ይጅመር።
ኣብዚ ውድድር ደቡብ ኣፍሪቃ 3 ተወዳደርቲ፡ኤርትራ 2 ተወዳደርቲ፡ ሃገራት ሞሮኮ፡ርዋንዳ፡ኣልጀርያ፡ናምብያ፡ቡርኪናፋሶ ነፍስወከፎም ሓደ ተወዳዳራይ ከሳትፉ ከለው፡ ስሎቬንያ ኢጣልያ፡ፈረንሳ፡ስጳኛ፡ብሪጣንያ እውን ተወዳደርቲ ሃገራት እየን።
ኤርትራ ንፈለማ እዋን ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኦሎምፒክስ ዝተሳተፈትሉ ናይ 2021 ለንደን ኦሎምፒክ ብዳንኤል ተክለሃይማኖት ከምዝኾነ ይዝከር።
ብካልእ ተመሳሳሊ ዜና ሰንበት 25 ሓምለ 2021 ሞሳና ደበሳይ ትወዳደረሉ 137 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ናይ ጽርግያ ውድድር ደቀንስትዮ ክካየድ ምዃኑ ይገልጽ። እዚ ውድድር ብናይ በርሊን ኣቆጻጽራ ሰዓት 6፡00 ቅድም ቀትሪ ይጅመር።
ጽቡቕ ዕድል ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡
ከምዝፍለጥ ዝበዝሑ ኣትሌታት ወይ ስፖርታውያ ንሃገሮም ወኪሎም ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ይሳተፉ። ገለ ስፖርታውያ ብዝተፈላለ ምኽንያት ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ኣብ ካልእ ሃገር ዝነብሩ፡ ስፖርታዊያን መታን ናይ ምውድዳር ባይታ ክረኽቡ ብስምምዕ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ን ዓለምለኻዊ ኮሚተ ኦሎምፒክስ ብ2015 ብዝተሰማምዕዋ መሰረት ብ 10 ኣትሌታት ጋንታ ኦሎምፒክ ስደተኛታት (Refugees Olympic Team) ተመስረተ። በዚ መሰረት ንፈለማ እዋን ኣብ ናይ 2016 ሪዮ ኦሎምፒክ ኣብ ሃገረ ብራዚል ተሳተፉ። እዞም ስደተኛታት ኣትሌታት ካብ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ደቡብ ሱዳን፡ ሶሪያን ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎን ኢዮም ኔሮም።ኣብዚ ናይ ቶክዮ ኦሎምፒክ ከኣ 56 ስደተኛታት ኣትሌታት ካብ 13 ሃገራት ክሳተፋ እየ። እዛ ጋንታ ኦሎምፒክ ስደተኛታት ብ 29 ኣትሌታት ዝቖመት እያ።
ኣብዚ ጋንታ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለው ተፈሊጡ።
1. ሉላ ሰለሞን
2. ተኽለወይኒ ገብረግርስቶስ፡
ሉላ ሰለሞን ኣብ ውድድር ጨመተ ቶኹሲ ክትወዳደር እያ።ሉላ ንፈለማ እዋን ኣብ ዓለምለኻዊ መዽረኽ ብጨመተ ቶኹሲ ትሳተፍ ዘላ ኤርትራዊት እያ።ሉላ ኣብ ኤርትራ ንክትነብር ዘይተዓደለት ስደተኛ ኮይና፡ ካብ 2015 ጀሚራ ኣብ ስዊዘርላንድ ዕቑባ ረኺባ ናይ ስደተኛ መሰላ ተሓልዮላ ትነብር ዘላ ኣደ ሓደ ሕጻን እያ። ጽቡቕ ዕድል ንመንእሰይ ሉላ፡
ተኽለወይኒ ገብረክርስቶስ ልክዕ ከም ሉላ ኣብ ሃገሩ ኤርትራ ስለዘይጠዓሞ ብዕሸል ዕድምኡ ብኢትዮጵያ ጌሩ ንሱዳን ብምስጋር ንሲና በረኻ ኣቋሪጹ ናብ ሃገረ እስራኤል ኣቲዮ። ተኽለወይኒ ኣብ ሃገረ እስራኤል ተማሃራይ ከሎ ኣብ ውድድር ጉያ ክነጥፍ ጀመረ። ተኽለወይኒ ኣብ ናይ ቶክዮ ኦሎምፒክ ኣብ ውድድር ማራቶን ክወዳደር እዮ። ጽቡቕ ዕድል ንመንእሰይ ተኽለወይኒ፡
ኣብ መወዳእታ ደሃይ ምስግጋር ተጻወትቲ ን ምቑጻር ኣሰልጠንቲ፡
– ማንቸስተር ሲቲ ተመዝጊቡ ስ እንግሊዛዊ ተጻዋታይ ክለብ ኣስቶን ቪላ ጃክ ግሪሊሽ ውልቃዊ ስምምዕ ከምዝገበሩ ማሕበራዊ መበሃሃሊ ዘርጊሖሞ፡
– ኣንቶኒ ግሪዝማን ዝርከቦም ትሽዓተ ተጻወትቲ ክለብ ባርሰሎና ክወጹ ከምዝኽእሉ ስካይ ስፖርት ሓቢራ። ብዘይካ ግሪዝማን፡ ዑስማን ድምብልን ኮቲንዮን ገለ ካብቶም ፍሉጣት ተጻወትቲ ናይታ ጋንታ ኮይኖም ካብታ ክለብ ክሰናበቱ ተኽእሎታት ከምዘሎ እታ ምንጪ ኣነጺራ።
– ካብ ኣርሰናል ዝተፋነወ ብራዚላዊዳቬድ ልዊስ ምስ ቱርካዊት ክለብ ኣዳና ደሚስፓር ክሰጋገር ከምዝተቓረበ ደይሊ ሚረር ኣብ ገጻታ ኣስፊራ።
– ኮርያዊ ሶን ምስ ክለብ ቶተንሃም ክሳብ 2026 ዘጽንሖ ሓድሽ ውዕል ከምዝፈረመ እታ ክለብ ብወግዒ ኣፍሊጣ።
– ጃድን ሳንቾ ምስ ማንቸስተር ዮናይትድ ክሳብ 2026 ዘጽንሖ ውዕል ከምዝፈረመን፡ ማንቸስተር ዮናይትድ ንቦርሻያ ዶርትሙንድ 73ሚልዮን ፖውንድ ከምዝተኸፈለ ተሓቢሩ። ሳንቾ 25 ቁጽር ማልያ ተኸዲኑ ንማንቸስተር ዮናይትድ ክጻወት እዮ።
– ቸልሲ ንኣርጀንቲናዊ ሓላዊ ልዳት ሰርጅዮ ሮሜሮ ንኸተፈርሞ ትጽዕር ከምዘላ መርበብ ሓበሬታ ቴሌግራም ሓቢራ።
ንሎሚ ዘዳለናዮ መደብ ስፖርት ኣብዚ ይዛዘም፡
ብተመሳሳሊ መደብ ክሳብ ንምለሰኩም ሰላምን ጥዕናን፡