ቬሮኒካ ኣልመዶም ትብሃል:: ኣብ ስዊዘርላድ እትቕመጥ ኤርትራዊት መንእሰይ እያ:: ONE YOUNG WORLD ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ዓመታዊ
ዝካየድ ዓለምለኻዊ ምትእኽኻብ ናይ ‘ናይ ጽባሕ መራሕቲ’ ወይ መንእሰያት ዝተሳተፈት ኮይና: ብኣከዳድንኣን: መደረኣን ንነብሳን ንሃገራን ወኪላ ዘሐበነት ኤርትራዊት መንእሰይ እያ::
ONE YOUNG WORLD ካብ 2010 ኣትሒዙ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ናይ ዓለም ንመጻኢ ነዛ ዓለምና ክመርሑ ዓቕሚ ንዘለዎም መንእሰያት ዘራኽብ ምትእኽኻብ ኮይኑ: ኣብቲ ዝግበር ምትእኽኻብ ድማ ብዘይካ ነቶም መንእሰያት: ንዓበይቲ መራሕቲ ዓለምን: ጸለውቲ ሰባትን እናምጽአ ምስቶም መንእሰያት ክላለዩ: ኣብ ሓደ መድረኽ ክዛተዩ ዝገብር ትካል እዩ:: ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዲው: ሜጋን መርከል: ፖል ፖልማን ካብቶም ብቐዳምነት ዝጥቀሱ ኣለይትን: ለገስቲ ምኽርን ናይዚ ምትእኽኻብ እዮም::
ቬሮኒካ ኣልመዶም ካብ 2012 ኣትሒዛ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ንኽነግስ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ክትቃለስን: መንእሰያት ክተንቅሕን ዝጸንሐት መንእሰይ ኮይና: ብሕልፊ ድማ ኣብቲ ካብ 2013 ኣትሒዙ ዝካየድ ዝነበረ “ STOP NATIONAL SLAVERY” ጏስጏስ ናይቲ ንመንእሰያት ኤርትራ ዘባድም ዘሎ ብሽም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፍለጥ: ኣስገዳድ ሃገራዊ ባርነት ደው ንኽብል : መንእሰያት ዕድሚኦም ኣብ ክንዲ ኣብ ኣስገዳድ ባርነት ዝባኽን: ኣብ ትምህርትን ምዕባለን ክውዕል ምስ ካልኦት ብጾታ ኮይና መሪሕ ተራ ዝተጻወተት ቀላሲት መንእሰይ እያ::
ኣብዚ ካብ 22-25 ሓምለ ኣብ ሙኒክ – ጀርመን ዝተኻየደ ናይ ONE YOUNG WORLD ኮንፈረንስ ድማ ነታ ናይ መጀመሪያ ሶማላዊት – ኣሜሪካዊት ናይ ሕጃብ ሞዴል ሓሊማ ኣደን ዝገበረቶ መደረ: ቬሮኒካ ከም ኣላይት መድረኽ ኮይና ክትኣልዮ እንከላ: ነቲ ቬሮኒካ ኣልመዶም ዘቕረበቶ መደረ ድማ እታ ናይ መጀመሪያ ኣፍሪካዊት-ኮሎምቢያዊት ህብብቲ ጋዜጠኛ ኤሊያ ካልዴሮን ኣላዪት መድረኽ ኮይና ነይራ::
ከምዝፍለጥ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነት: ኣብ ዓበይቲ ጽፍሕታት ናይ ዓበይቲ ትካላት: ኣብ ስፖርትን ካልእን መራሕቲ ኮይኖም ይወጹ እዮም:: እዚ ድማ ሃገርና ሕጂ ትኸስሮ ዘላ ዕድላት ዘርእይ ክኸውን ከሎ: በቲ ኻልእ ድማ ንኹሉ ዜጋ ዘሳትፍ ቅዋማዊ ስርዓት ምስዝትከል ብዙሓት ዓቕምን: ብቕዓትን: ተሞክሮን ዘለዎም ክኢላታት ከምዘለዉና ዘመላኽት እዩ::