ኣመሪካ ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ በደላት ብቕልጡፍ ደዉ ክብል ጸዊዓ። ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ብ27 ሓምለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዝቕጽል ዘሎ መጥቃዕትታት የተሓሳስባ ምህላዉ ኣረዲኡ።
ምስ ህ.ወ.ሓ.ት ዝደናገጹ ዕጡቓት ከምኡ’ውን ምልሻታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት በደላት ይፍጽሙ ምህላዎም ዘረጋግጹ መርትዖታት ንመንግስቱ ኣሻቒልዎ ምህላዉ ዝሓበረ ወሃቢ ቃል ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፥ ኩሎም ዕጡቓት ሓይልታት፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት፡ በቲ ኲናት ተፈናቒሎም ንዝርከቡ ወገናት ፡ ከምኡ’ውን ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ንዝነጥፉ ኣካላት ካብ ምጥቃዕን ምፍርራህን ኪቚጠቡ ጸዊዑ ኣሎ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት እዉን ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ መጻኢን ድሕነትን እቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ሞንጎ ክልተ ሓዊ ተቐርቂሮም ዝርከቡ ኤርትራዉያን ብቐጻሊ ይሻቐል ምህላዉ ደጊሙ ገሊጹ እዩ።
ወሃቢ ቃል እቲ ኣህጉራዊ ኣካል ባባር ባሎች ኣብ ከተማ ጀኔቫ ናይ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ከባቢ ማይ-ጸብሪ ከምኡ’ዉን ኣብ ዉሽጥን ኣከባቢን መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝቕጽል ዘሎ ጎነጽ፡ ኣብ’ቶም ከባቢታት ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብኹሉ ሸነኽ ንኽዕገቱ ገይሩ ምህላዉ እዩ ሓቢሩ።
ኣብ’ተን ክልተ መዓስከራት፡ ኣስታት 24 ሽሕ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ከምዝርከቡ ዝጠቐሰ እቲ ወሃቢ ቃል፡ እቶም ስደተኛታት ዝኾነ ሰብኣዊን ጸጥታዊን ደገፋት ተሓሪምዎም ፡ ዝተፈላለየ በደላት ብቐጻሊ ይወርዶም ከምዘሎ ኣስሚሩሉ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፋ ቀረባ መዓልታት፡ “ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዉሽጢ መዓስከር ማይ-ዓይኒ ብዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ወገናት ከምእተቐትለ ዘረጋግጽ እኹል መርትዖ ረኺብና ኣለና” ዝበለ ወሃቢ ቃል ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሓለፈ 14 ሓምለ እዉን ካልእ ኤርትራዊ ስደተኛ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተቐቲሉ ምንባሩ ኣዘካኺሩ።
ሰራሕተኛታት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ናብተን መዓከራት ካብ ዘይበጽሑ ልዕሊ ክልተ ሰሙናት ተቖጺሩ ከምዘሎ፥ ስደተኛታት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዛጊት ዝኾነ ወርሓዊ መቚነን ስለዘይተዋህቦም ኣብ ከቢድ ጥሜት ከምዘለዉ ፥ ከምኡ’ውን ኣኹል ዝስተ ጽሩይ ማይ ይዂን ህጹጽ ጥዕናዊ ሓገዛት ተሓሪምዎም ምህላዉ ዘረድአ መግለጺ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ፡ ሕጂ’ውን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብኣህጉራዊ ሕግታት ተገዚኦም ንድሕነት እቶም ስደተኛታት ክሰርሑ ደጊሙ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ክልል ትግራይን ክልል ዓፋርን ተወሊዑ ናብ ጥቓ’ቲ ክልል ዓፋር ልዕሊ 55,000 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣዕቚባትሉ ዘላ መዓስከር ይልሕም ብምህላዉ በቲ ሓደ፡ ንመቐለን ሳማራ ናይ ዓፋርን ዘራኽብ ኣገዳሲ መስመር ካብ 18 ሓምለ ጀሚሩ ተዓጺዩ ስለዘሎ ድማ በቲ ኻእል ፡ እቶም ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዕጫ ናይቶም ኣብ መዓስከራት ክልል ትግራይ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣሕዋቶም ከይበጽሖም ዓቢይ ሻቕሎት ተፈጢሩ ከምዘሎ እዉን ኣፈኛ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ኣብ መወዳእታ ኣተሓሳሲቡ።