ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ካብ ዝጅምር ካብ መዓስከራት ክልል ትግራይ ሃዲሞም ናብ ከተማ ኣዲሳ-ኣበባ ክበጽሑ ዝኸኣሉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ምስቶም ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ኣሕዋቶም ስደተኛታት ብምዃን ፡ ድሕነትን ሰባኣዊ መሰልን ናይ’ቶም ኣብ መዓስከራት ክልል ትግራይ ኣብ ከቢድ ጸገም ዝርከቡ ወገናቶም ክሕሎ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ሎሚ 29 ሓምለ ኸካይዱ ኣርፊዶም።
እቶም ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ቦሌ ናብ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምምራሕ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ዝወርድ ዘሎ በደላት ዕለታዊ ይብእስ ምህላዉ ብምዝኽካር ፡ እቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኤርትራዉያን ናብ ውሑስ ቦታ ንምግዓዞም ኣሐይሉ ክሰርሕ ጸዊዖም ኣለዉ።
ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ክልል ትግራይ ብዕጡቓት ሓይልታት ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ናይ ዝተቐትሉ ኤርትራዉያን ኣሳእል ሒዞም ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ’ቶም ስደተኛታት፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ክልል ትግራይ ሰሪቱ ንዘሎ ኩሉዓይነታዊ በደላት ከምኡ’ውን ጥሜት ቅልጡፍ ፍታሕ ክረኽበሉ ኣትሪሮም ተማሕጺኖም።
ሰልፈኛታት ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ኢትዮጵያዊ በዓል-መዚ ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመላሶን (ARRA)፡ ነቶም ብኲናት ካብ ክልል ትግራይ ሃዲሞም ኣብ ከተማታት ጎንደርን ኣዲሳ-ኣበባን ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዛጊት ዝኾነ ሰብኣዊ ደገፍ ይገብሩ ብዘይምህላዎም እዉን ዘይዕጉብነቶም ኣስሚዖም ።
ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ዝርከቡ ኣሕዋቶም ኣብዚ ሰዓት’ዚ ብተራጸምቲ ዕጡቓት ወገናት ተኸቢቦም ይንገላትዑ፡ ይዝረፉን ይቕተሉን ምህላዎም ዘዘካኸሩ እቶም ሰለፈኛታት፣ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ቀሊል ዘይኮነ ሓደጋ ኣብ ምፍታሕ ብቐረባ ኪሰርሕ ተላብዮም ኣለዉ።