ውድድር ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ካብ 2020 ናብ 2021 ዝተሰሓበ ዓለምለኻዊ ውድድር ስፖርት ሎሚ ሰንበት 8 ነሓሰ ብወግዒ ተዛዚሙ።
እዚ ልዕሊ 11,000 ስፖርታውያን ኣስታት 205 ሃገራትን ሓውሲ ሃገራትን ዘሳተፈ ውድድር ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ ዝተኻየደ ውድድር እዩ። ኣብዚ ውድድር ኣሜሪካ ብርክት ዝበሉ ሜዳልያታት ብምሕፋስ ቀዳማይቲ፡ ቻይናን ጃፖንን ከኣ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ብምሓዝ ውድድራተን ዛዚመን። ውድድር ኦሎምፒክ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓንሳብ ዝካየድ ዓለምለኻዊ ስፖርትዊ ውድድር እዩ። ዝስዕብ ውድድር ኦሎምፒክ ኣብ 2024 ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ክካየድ መደብ ኣሎ።