መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብሱዳን ዝተጀመረ ጻዕሪ ከምዘለዎ ኽነጽጎ ግቡእ ከምዘይኮነ ዝሓበረ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ክተዓራረዩ ዝደልዮም ነጥብታት ብምብራህ ወሲድዎ ንዘሎ መርገጺ ዳግመ ግምት ኽገብር ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ጠሊቡ ኣሎ።ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ፡ ኲናት ኢትዮጵያን በቲ ኲናት ስዒቡ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልዉላዉን ንምፍታሕ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ንመራሕቲ መንግስቲ ትግራይን በብወገኖ እንዳረኸበ ናብ ዘተ ንኽመጽኡ ጻዕርታት ኸካይድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብ6 ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ግን ንተበግሶ ሱዳን ኽኣምኖ ስለዘጸግም ነቲ ናይ ሽምግልና ጻዉዒት ከምዝነጽጎ እዩ ኣረዲኡ።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብቲ ናይ 6 ነሓሰ መግለጺኡ፡ ብሰንኪ ዝቕጽል መጥቃዕትታት ሓይልታት ክልል ትግራይ ነቲ ወሲድዎ ዝወርሐ በይናዊ ተዂሲ ደዉ ናይ ምባል ስጒምቲ ኪቕይርን፡ ምሉእ ሓይሊ ብምውፋር ስጒምቲ ንምውሳድ ክምድብን ተገዲዱ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ እዩ።
ምስ ኢትዩጵያ ብጉዳይ ዋንነት መሬትን ምሕደራ ማያዊ ትሕዞ ፈለግ ኒልን ኣብ ዘይምስምማዕ እትርከብ ሱዳን፡ ንኲናት ኢትዮጵያ ኽትሽምግል ዝጀመረቶ ተበግሶ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተኣማንነት ኽስእን ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ እዉን ብሓያሎ ተንተንቲ ፖለቲካ እዚ ዞባ ኽእመት ጸኒሑ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምጽዋዕ ኣምባሳደሩ ኣብ ሱዳን ብዝምልከት ዛጊት ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የለን።*******