ዕጡቕ ሓይሊ ጣሊባን ናይ ኣፍጋኒስታን፡ ድሕሪ 20 ዓመት ናብ ሓይሊ ብምምላሱ፡ ዜጋታት እታ ሃገር ብልዑል ቊጽሪ ናብ ስደት ኣብ ዘምርሕሉ ዘለዉ እዋን ፡ መንግስቲ ኡጋንዳ ኣስታት 2,000 ኣፍጋናዉያን ንግዜኡ ኸዕቊብ ካብ ኣመሪካ ንዝቐረበሉ ጠለብ ከምዝተቐበሎ ተሓቢሩ።
ሚኒስተር ስደተኛታትን ሰብኣዊ ሓደጋታትን ኡጋንዳ ወ.ሮ ኤስተር ኣንያቹን ብ17 ነሓሰ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ፡ ፕረዚደንት ሙስቬኒ ነቲ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝቐረበ ጠለብ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቕበሎ፡ ነቶም ሓደስቲ ስደተኛታት ንምእንጋድ ድማ ዘድሊ ምድላዋት ተጻፊፉ ምህላዉ ኣረዲኣ።
እቶም ንከባቢ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ኡጋንዳ ተዓቚቦም ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ብዘቃንዖ መስርሕ ናብ ዝወሓሰ ከባቢ ኽግዕዙ ምዃኖም ዝተነገርሎም ኣስታት 2,000 ኣፍጋናዉያን ስደተኛታት፡ ብመንገዲ ኣርባዕተ በረራታት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ኽኣትዉ ምዃኖም ዝገለጸት ሚኒስተር ኤስተር ፡ ኹሉ ወጻኢታት እቶም ስደተኛታት ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝሽፈን ምዃኑ ኣብሪሃ ኣላ።