ክፍሊ ፋይናንስ ኣመሪካ ፡ ንጠቕላሊ ሓላፊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ምስ’ቶም ኣብ ኲናት ትግራይ ተፈጺሞም ምስ ዝበሃሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝተታሓሓዘ ተሪር ቊጠባዊ እገዳ ኣንቢሩሉ ኣሎ።
ኣብ ክፍሊ ፋይናንስ ኣመሪካ ቤት-ጽሕፈት ምቊጽጻር ርእሰ-ማል ሰብ ስግር-ባሕሪ ፡ ንጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ጸሊም መዝገብ ብምስፋር፡ እቲ ጀነራል ኣብ ኣመሪካ ብቐጥታን ተዘዋዋሪን ፡ ዝዉንኖን ዝቆጻጸሮን ፡ ገንዘብ ይዂን ዝንቀሳቀስን ዘይንቀሳቐስን ንብረት ኣብ ቀይዲ ኽጸንሕ ወሲኑ ኣሎ።