ወሃቢ ቃል ማኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ ዝወጹ፡ መጥቃዕቲ ምስዘቋርጹ፡ ብተወሳኺ ሕጋውነት መንግስት ኢትዮጵያ ምስዝቕበሉ ጥራይ እዮ ተኹሲ ደው ኢሉ ብዛዕባ ዘተ ክሕሰብ ትኽእሎ ዘሎ ኢሉ።
ኣብዚ ሰዓት ሓያለ ተበግሶታት ነቲ ኣብ ኤትዮጵያ ዘሎ ኹናት ብሰላም ንምዕራፉ ይካየድ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ብምህላዉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክሕሰሞ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም ዳግመ ግምት ክገብረሉ ከምዝተገደደ ብዙሓት ምንጭታት ይሕብሩ።
መንግስት ኢትዮጵያ ተኹሲ ደው ብምባል ናብ ምዝርራብ ንክመጽእ ዘኽእልዎ ቅድመኹንት ዘቅርብ ዘሎ ድሕሪ ናይ ዓለምለኻዊ ዲፕሎማሰኛታት፡ ተጻብኦ ምቁራጽ ብዝብል ዕላማ ዘካየድዎ ዘለዉ ጻዕርታት ዝመጸ ተርእዮ እዩ። ንሱ ወሲኹ እዚ ማለት ናብ ዘተ ንምእታው ተወሲኑ ማለት ኣይኮነን ኢሉ።
ብካልእ ሸነኽ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ምስሓብ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ቅድመ-ኩነት ንዘተ ፍጹም ቅቡል ከምዘይኮነ ተዛሪቡ ነይሩ።