ኣዚ እገዳ ብመሰረት ትእዛዝ ፈጻሚ ኣካል (Executive order) E.O (14046) ኮይኑ ብሚንስትሪ ፋይናንስ ናይ ኣመሪካ ኣብ ትግባረ ዝውዕል እዩ። በዚ መሰረት እቶም ተኣጊዶም ዘለዉ ትካላት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ማዕከን ሕድሪ (Hidri Trust)፡ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ ክኾኑ ከለዉ እቶም ውልቀሰባት ድማ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብርሂወትን፡ ሓላፊ ጸጥታ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃለይ ካሳን እዪም።