ዝብእስ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ነታ ሃገር ናብ ፍጹም ዉድቀት ኣምሪሑ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኽይጸሉ፡ ኣመሪካ ግብራዊ መልሲ ኽትህብ ተዳልያ ከምዘላ ፡ ኣዛዚ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ኣብ ጂቡቲ ዝኾነ ሜጀር ጀነራል ዊልያም ዛና ኣተሓሳሲቡ።

ሜጀር ጀነራል ዊልያም ኣብ ዘረባኡ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ-ኣበባ እንተኣትዮም፡ ንኢትዮጵያ ናብ ፍጹም ሕንፍሽፍሽ ዘምርሓን ካብ ቊጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ዝበኣሰ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዕበላን ከምዝኸዉን ብምጥቃስ፡ እዚ ኪንዮ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዞባዊ ነዉጺ ከየኸትል፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ተጠንቀቕ ምህላዉ ኣረዲኡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ቆመናኡ ንምድልዳል ነቲ ኣብ ሶማል ኣዉፊርዎ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊቱ ከይስሕብ ፣ ግብጽን ሱዳንን ድማ ነቲ ኢትዮጵያ ኣትያቶ ዘሎ ጸገም ከም ዕድል ወሲደን ኣብ ልዕሊ ገዚፍ ዲጋ ሕዳሰ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ከይወስዳ ዝብሉ እንተታታ ኣመና ከምዘሻቕልዎ ዝሓበረ እቲ ኣመሪካዊ ጀነራል፡ እዚ ዞባ ልዕሊ ካልእ እዋን ኣብ ሓደጋ ወዲቚ ምህላዉ ኣዘኻኺሩ።

ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ጂቡቲ፡ ኣብ ዝጸበበ ኩነት ንዜጋታትን ዲፕሎማሰኛታትን ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንምዉጻእ ዝዓለመ መደብ ነዲፉ ከምዘሎ እዉን ሜጀር ጀነራል ዊልያም ኣብሪሁ።