ሓይልታት ኣምሓራ ንኤርትራዉያን ስደተኛታት ናብ ኢድ ህግደፍ ኣሕሊፎም የረክብዎም ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ከተማ ጎንደር ሓቢሮም።
ካብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ብመንገዲ ጎንደር ናብ ሱዳን ኪሰግሩ ብሓይልታት ኣምሓራ ዝተሓዙ ኤርትራዉያን ፣ ሻቡ ናብ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ይርከቡ ከምዘለዉ እዩ ኣቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።
ዝበዝሑ ካብ’ቶም ናብ ኢድ ህግደፍ ዝርከቡ ዘለዉ ኤርትራዉያን፡ ሻቡ ናብ ከባቢ ኣፍዓበት ይዉሰዱ ከምዘለዉ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ እቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከይረክብ ብከዉሊ ይቃናዕ ምህላዉ የተሓሳስቡ።
ምስ ጉጅለ ህግደፍ ሽርክነቶም ዘደላድሉ ዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራ፣ መለሳ ናይቲ ካብ ህግደፍ ዝረኽብዎ ዘለዉ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ደገፍ ፡ንድሕነት ናይቶም ብክልል ኣምሓራ ናብ ሱዳን ከብሉ ዝግደዱ ዘለዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ይረኣዩ ከምዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ንዘለዉ ኤርትራዉያን ንምዕቃል ፣ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ ከባቢ ጎንደር ሓድሽ መዓስከር ስደተኛታት ደኲኑ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ በዚ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ከርእይዎ ጀሚሮም ዘለዉ በደላት ግን ጥቕምን ኣድላዪነትን ናይ’ቲ ሓድሽ መዓስከር ኣብ ምልክት ሕቶ ኪኣቱ ከምዝኽእል እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።
ብክልል ኣምሓራ ገይሮም ናብ ሱዳንን ኬንያን ኪሰግሩ ናይ ዝፍትኑ ዘለዉ ወገናትና ቊጽሪ ዕለታዊ ይዛይድ ከምዘሎ ዝሕበር ኮይኑ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ብፍላይ ነዚ ብሓይልታት ኣምሓራ ጀሚሩ ዘሎ ኤርትራዉያን ሰጋሮ ናብ ኢድ ህግደፍ ናይ ምርካብ ተግባር ብቕልጡፍ ደዉ ክብል ኪሰርሑ ከምዝግባእ ምንጭታትና ወሲኾም ይጽውዑ።
ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብኹሎም ተኻፈልቲ ሓይልታት ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ በደላት ይበጽሖም ከምዘሎ ዝኣምን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኪንዮ ብዛዕባ እቶም ዝወርዱ ዘለዉ በደላት ምጽብጻብ ፣ መሰረታዊ ፍታሕ እቲ ሽግር ኣብ ምርካብ ዛጊት ኣይተዓወተን ዘሎ።