ኢትዮጵያዊ በዓል መዚ ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመላሶን ARRA፡ እቶም ዝሐለፈ 3ን 4ን መጋቢት ፡ ቪዛን ሰነዳት መጓዓዝያን ንምርካብ ኣብ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመላሶን RRS ጠለባቶም ዘመዝገቡ  ኤርትራዉያን፡  ን26 ሚያዝያ ሰዓት 8፡30 ናይ ንግሆ ኣብቲ ዝተመዝገብሉ ከባቢ ፋብሪካ እንቋቚሖ ኪርከቡ ጸዊዑ ኣሎ።

ንኤርትራዉያን ስደተኛታት ጥራይ ኣገልግሎቱ ዓጽዩ ዝጸንሐ ARRA፣  ቪዛ መጽዩዎም ካብቲ በዓል መዚ ምምሕዳራዊን ሰነዳዊን ደገፋት ኪሓቱ ንዝጸንሑ ኤርትራዉያን ካብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት እዚ ዓመት ከፊላዊ ኣገልግሎት ከምዝጀመረ’ኳ እንተገለጸ ፣ ዛጊት ዝተረጋገጸ ፍታሕ ኣይጸንሐን።

ARRA፡ ከምኡ’ዉን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝህብዎ ኣገልግሎት፡ ዜጋታት ኤርትራ ንዝኾኑ ስደተኛታት ጥራይ ዕጹው ኮይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣገልግሎታት እቶም ኣብያተ ጽሕፈት ካብ 26 ሕዳር 2021 ጀሚሩ ንኤርትራዉያን ስደተኛታት ዕጹዋት ምጽናሖም ዘመልከቱ ምንጭታት፡ ከምሳዕቤኑ – ብዙሓት ብመስርሕ ዳግመ ሰፈራን ካልእን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝገሹ፣ ናይ ስደተኛ ወረቕቕቶም ዘሐድሱ፡ ከምኡ’ዉን ኪምዝገቡ ዝደልዩ ስደተኛታት ተሰናኺሎም ምህላዎም ብቐጻሊ ሓቢሮም’ዮም።

ብድኹምን ኣሰልካዪን ኣሰራርሓ ARRA ተስፋ ቈሪጾም ናብ ኢምባሴ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ብምኻድ ናይ ጣዕሳ ፎርም ብምምላእ ፓስፖርት ሒዞም ዝጸንሑ ስደተኛታት ፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ቪዛ ንምሕዳስ ናብ ኢሚግሪሽን ኣብ ዘምርሕሉ፣ ኣስማቶም ኣብ ሰነዳት ARRA እንተጸኒሑ ሻቡ ፓስፖርቶም ይሕደጉ ብምህላዎም ዝበዝሑ በቲ ፓስፖርት ናይ ጉዕዞ መደባት ዝሰርዑን ምስ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ቤተሰቦም ክጥርነፉ መስርሕ ዝጀመሩን ስደተኛታት ኣብ ሓድሽ ጸገም ይወድቊ ከምዘለዉ እዉን ኣይርሳዕን።

ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ካብ ናይ’ቶም ኣብ ክልላት ዓፋርን ትግራይን ኣብ ሞንጎ ክልተ ሓዊ ተቐርቂሮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣሕዋቶም ብዘይፍለ፣ ብምምሕዳራዊ ጸቕጥታት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሸለልትነት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታትን ከምኡ’ዉን ብገንዘባዊ ምዝመዛ ኢምባሲ ኤርትራ ቀጻሊ ይሳቐዩ ምህላዎም ይፍለጥ።