ጂሮ’ዲ ኢጣልያ 8ይ መድረኽ – ቢኒያም ዝነኣድ ጸወታ ብምርኣይ ፍልልይ ነጥቢ ኣጽቢቡ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዛዘመ 8ይ መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ፡ ወዲ 35 ዓመት ቤልጄማዊ ተቐዳዳማይ ቶማስ ዲገንት ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢኒያም ግርማይ ዝነኣድ ብቕዓት ብምርኣይ 5ይ ደረጃ ሒዙ። 153 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝሸፈነ እዚ መድረኽ፡ ኣብ 37 ኪ.ሜን ኣብ መወዳእታን 2 ናይ ነጥቢ፡ ኣብ 118.7 ኪ.ሜ ድማ ሓደ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር ዝሓቖፈ ኢዩ ኔሩ። ኣብ 37 ኪ.ሜ ዝተኻየደ ቀዳማይ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ኤርትራዊ ቢኒያም ግርማይ ቀዳማይ ብምዃን 12 ነጥቢ ወሲዱ። ኣብ 118 ኪ.ሜ ዝተኻየደ ናይ ዓቐበት ቅጽበታዊ ውድድር ድማ፡ ቶማስ ዲገንት ቀዳማይ ኮይኑ 3 ነጥቢ ወሲዱ። ጸወታ ክዛዘም 26 ኪ.ሜ ምስተርፎ፡ ቢኒያም ግርማይ መጥቃዕቲ ጌሩ፡ ነቶም ቀዲሞም ዝሃደሞ 4 ተጻወቲ ከርክቦም ኣዝዩ ሓያል ጻዕሪ ጌሩ፡ ጸወትኡ ኣብ ምዝዛሙ ተጸጊዕዎም ’ኳ እንተነበረ ከርክቦም ግን ኣይከኣለን። ንሓሙሻይ ንምእታው ኣብ ዝገበሮ ቅጽበታዊ ውድድር ግን፡ ቮላታ ተዓዊቱ 5ይ ደረጃ ሒዙ ጸወትኡ ዛዚሙ። ቢኒ ምስቲ ኣቐዲሙ 12 ነጥቢ ዝረኸቦ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ምዓልቲ ጥራይ፡ ብጠቕላላ 26 ነጥቢ ብምእካብ፡ ኣብ ናይ ነጥቢ ውድድር ብ 120 ነጥቢ 2ይ ደረጃ ክሕዝ ክኢሉ’ሎ። ቀዳማይ ደረጃ ዘሎ ፈረንሳዊ ተቐዳዳማይ ዲማር ን ቢኒ ብ 27 ነጥቢ በሊጹ፡ 147 ነጥቢ ከዋህልል ክኢሉ ኣሎ። ኣብ ናይ ጊዜ ውድድር፡ ሕጂውን ስጳኛዊ ተቐዳዳማይ ሎፔዝ ቀዳማይ ደረጃ ክሕዝ’ከሎ፡ ማርቲ ጉላሜ ጽቡቕ ጊዜ ብምምሕያሽ 24 ደረጃታት ደይቡ መበል 4ይ ደረጃ ክስራዕ ክኢሉ ኣሎ። ጽባሕ ሰንበት 9ይ መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ 191 ኪ.ሜ ብዝሽፍን ናይ ዓቐበት ጸወታ ቀጺሉ ክውዕል ኢዩ። ሕጂውን ኤሪ-ሳት ንኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ጽቡቕ ዕድል ትምነ!