ብርሃነ ጸጋይ ኣብ ማራቶን ኮፐን ሃገን ሓድሽ ክብረ-ወሰን ኣመዝጊቡ ሎሚ ዕለት 15 ግንቦት 2022፡ ኣብ ኣብ ሃገረ ዴንማርክ ዝተኻየደ መበል 43 ማራቶን ኮፐንሃገን፡ ኤርትራዊ ኣትሌት ብርሃነ ጸጋይ ናይቲ ውድድር ሓድሽ ክብረ-ወሰን ኣመዝጊቡ። ብርሃነ ቅድሚ ሕጂ ብ ኬኒያዊ ኣትሌት ጃክሰን ኪቤት ሊሞ ኣብ 2019 ሒዝዎ ንዝነበረ ክብረወሰን፡ ብ 1 ደቒቕን 31 ካሊኢትን ብምምሕያሽ፡ ብ 2፡08፡23 ብዝኾነ ጊዜ ነቲ ውድድር ዛዚምዎ። ኣብዚ ውድድር 2ይ ኮይኑ ዝተዓወተ ኤርትራዊ ኣትሌት ሄኖክ ተስፋይ ኢዩ። ሄኖክ ንቲ ውድድር ብ 2፡08፡39 ጊዜ ክኣቱ’ከሎ፡ ኬኒያዊ ኣትሌት ዳኒኤል ኪፕቹምባ ብ 2፡08፡55 ጊዜ ሳልሳይ ኮይኑ ጸወትኡ ዛዚሙ።