ዓለም-ለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን ኩናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ካብ ዝጅምር
ኣትሒዙ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብዘይ ዕረፍቲ ኩናት ዝፈጥሮ ማእለያ ዘይብሉ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ብምግላጽ ክቃወምን ክኹንን
ጸኒሑን ኣሎን። ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ምስ ተረጋገጸ ድማ እዚ ኩናት’ዚ ኣብ ልዕሊ ኩሉ መዳያት ሂወት ህዝብና ዘኸትሎ
ሰፍ ዘይብል ዘይምርግጋእን፡ ኣብ መንእሰያትና ከጋጥም ዝክእል ህልቂትን ምምዝባልን ብምግንዛብ፡ ብዝከኣለና ዓቕሚ ኣንጻር’ዚ
ዘይምልከተና ኩናት ጠጠው ክብል ቀጻሊ ጻውዒትን ዘመተን ከነካይድ ጸኒሕና ኢና።
እነሆ ድማ ሎሚ’ውን ስርዓት ኤርትራ ናብ ዳግማይ ኩናት ክኣቱ፡ ናይ ፕሮፖጋንዳ መናፍሕን ናይ ኣጽዋር ምቅርራብን ኣዋዲዱ፡
ድፋዓት ኩዒቱ እታ ናይ ዜሮ ሰዓት ይጽበ ኣሎ። ስርዓት ኢሳያስ “ሓድሽ ወተሃደራዊ ዕንደራ ወያነ – ስለምንታይ? ንምንታይ
ዕላማ’ኸ?” ብዝብል መታለሊ ኣርእስቲ፡ መርዛም ፕሮፓጋንዳ ክነዝሕ ጀሚሩ ኣሎ። ትሕዝቶ እዚ ኣርእስቲ’ዚ፡ እዚ ዝስዕብ ኢዩ።
1 “ወያኔ ሕጂውን ከምቲ ናይ 1998 ምስምስ … ባሕሪ ዘለዋ ዓባይ ትግራይ ንምምስራትን ኤርትራ ንምውራር ሓዱሽ
ወታሃደራዊ ዕንደራ” ኣበጊሶም ከምዘለው ይዛረብ።
2 “ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ ታሪኽና ኩናት ናፊቕናን ንኩናት ተሃንጢናን ኣይንፈልጥን” ይብል።
3 “ክቡር መስዋእቲ ተኸፊልዎ ህያው ንዝኾነ ህላዌናን ናጽነትናን ልኡላውነትናን ክብረትናን ንምክልኻል ግን፡ ኣህጉራዊ
ሕጊ ዘረጋገጾ መሰልን፣ ሃገራውን ሰብኣውን ግቡእን” ይብል።
4 እዚ ወራር’ዚ ብዝርያን ሓገዝን ምዕራባውያን ሃገራት ክካየድ ከምዘዝኾነ’ውን ይእምት።
ብወገን ሓለፍቲ “ምክልኻል ሰራዊት ትግራይ” ዝወሃብ ዘሎ መግለጺ ድማ፡ እቲ ኩናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣብ ልዕሌና
ተወሲዱ ዘሎ ከበባን ዕጽዋን፡ ኣብ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊን ጥዕናውን ሂወት ፈጢርዎ ዘሎ ክጽወር ዘይክእል ጸገማት ንምእላይ
ብዘይካ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ካልእ ምርጫ የብልናን ዝብል ኢዩ። ነዚ ከበባን ዕጽዋን’ዚ ንምብታኽ ዘድሊ መስርሕ ክተትን
ስልጠናን ወዲእና ኣብ መጥቃዕቲ ክንኣቱ ኢና ዝብል መልእኽቲ ብተደጋጋሚ ክፍኖ ይስማዕ ኣሎ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ተከዘ ሰጊሮም ኣብ ራማን ከባቢ ዓዲ ጎሹን መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ወግዓዊ ዘይኮነ ሓበሬታት ክዝርጋሕ
ቀኒዩ ኣሎ። ፕሮፖጋንዳ ጥራይ ዘይኮነ ብኩሉ ወገናት ኣብ ባይታ ምድላው ተካይዱ ተወዲኡ ከምዘሎ’ውን ብዝተፈላለዩ
መስመራት ጽጹይ ሓበሬታታት ይወሃብ ኣሎ።
ሓይልታት ምክልካል ኤርትራ ካብቲ ዓሪዲሉ ዝጸንሐ ናይ ትግራይ ቦታታት፡ ኣደባይ፡ ራውያ፡ ቃፍታ ሑመራን፡ ዳንሻን ፡ ገዲፉ
ናብ መሬት ኤርትራ ተመሊሱ ከምዘሎ ይሕበር። ኣብ ባዕኸርን ዓዲ ጎሹን ዝነበሩ ኣብ ኦሚሓጀር፡ ማይ ሽግሊ፡ ማዕሎባ ዝተባህሉ
ከባቢታት (ካብ ጉሉጅ ክሳብ ኡመሓጀር ኣብ ዘሎ) ሰፊሮም ኣሎዉ። ኣብ ሑመራ ኣሃዱታት ስለያን (ወተሃደራዊ ስለያ
ምክልካልን፡ ኣሃዱ ሃገራዊ ድሕነትን)፡ ክልተ ብርጌድ ካብ ክፍለ ሰራዊት 65፡ ክልተ በጦሎኒ ታንከኛን ረሻሽን ተሪፎም ከምዘለዉ
ሓበሬታት የመልክቱ። ክልተ ሓይሊ ወተሃደራዊ ሃንደሳ ድማ ኣብ ከባቢ ዓደርቃይ ምህላወን ይፍለጥ።
እዚ ሓበሬታት’ዚ ዘነጽሮ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ወሪሩ ሒዝዎ ዝጸንሐ ቦታታት ኢትዮጵያ (ክልል ትግራይ) ገና ከምዘይወጸአ
ዘመልክት ኢዩ። ወራሪ ክነስኻ ተወራሪ ኮንካ ብስም ልኡላውነትን ነጻነትን ሃገር፣ ብስም ህላዌን ክብረትን ህዝቢ፡ ዝካየድ ዘመተ
ልብ ኣእምሮን ዜጋታት ንምኽሳብ ዝግበር ዘሎ መርዛም ፕሮፖጋንዳ ምዃኑ ብምእማን ኣትሪርና ንኹንን። “ሓባል በልያ
ከይትቕድመኪ” ዝብል ናይ ሕብረተ ሰብና ብሂል ዘዘኻኽር ሕሱር ፈተነ ኢዩ።
ኤርትራ ብኣህጉራዊን ዞባዊን ውዑላት ዝተሓንጸጸን ዝተፈልጠን ዶባት ትውንን ሃገር ኢያ። እቲ ካብ 1902 ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ
መድርኻት ኣብ ሞንጎ ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ሃገራትን ኢትዮጵያን ካልኦት ጎረባብት ሃገራትን ዝተፈረመ ውዑላትን፣ ኣብ 1993
ድሕሪ ናይ 30 ዓመት መሪር ብረታዊ ተጋድሎ ዝተካየደ ረፈረንደም ዝተረጋገጸ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ድልየትን ነቕ ዘይብል እምነትን
ታሪኻዊ ጭብጥታት ናይ ልኡላውነት እምነ ሰረት ምዃኑ ኣጥቢቕና ነረጋግጽ ። ኣብ ርእሲኡ ድሕሪ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ
ብኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ብይን፣ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ዘየእቱ ካልእ ሕጋዊ ጭብጥታት ምዃኑ ዘረጋግጽ
ዘየዋላውል ሰነዳት ኣሎ።
ስለዚ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ብድልየት ካልኦት ክግሃስን ክፈርስን ዘይከኣል ምዃኑ ድልዱል እምነትና
ክኸውን ይግባእ። ካብዚ ሓቅታት ‘ዚ ብምብጋስ እምበኣር ልኡላውነት ኤርትራ ብሕጊ ውሑስ ምዃኑ ምርግጋጽ ይከኣል። ስለዚ
እቲ ብኢሳያስን ጉጅለኡን ዝቐርብ ዘሎ ስግኣት ልኡላውነት ሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ኩሉ ቅኑዕ ኤርትራዊ ዜጋ ክግንዘቦ ዘድሊ ሓቂ
ኢዩ። ብኣንጻሩ ልኡላውነት ሃገር ዘድፍር እቲ ስርዓት ዝፈጽሞ ዘሎ ወራርን ከካይዶ ዝጸንሐ ሕቡእ ስምምዓትን ኢዩ ኢልና
ንኣምን። እቲ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተታሒዙ ዝጸንሐ መሬት ኤርትራ ምምላስ ምስ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሕግን
ዲፖሎማስን ክውዳእ ዝግበኦ ጉዳይ ምንባሩ ምግንዛብ ቅኑዕ ሚዛን ኢዩ። ነዚ ምክንያት ጌርካ ንትግራይ ምውራርን ኣብ ኩናት
ሕድሕድ ኢትዮጵያ ጣልቃ ብምእታው ሕነ ምፍዳይን ቀጻሊ ቅልውላው ምጽሕታርን’ምበር፡ ፍታሕን ሰላምን ዘምጽእ ስጉምቲ
ከምዘይኮነ ኣጥቢቕና ንኣምን። ብኣንጻር እቲ ጉጅለ ኢሳያስ ዘካይዶ ዘሎ ሕሱር ዘመተ ካብ መሪሕነት ክልል ትግራይ ብምክንያት
መበል 31 ዓመት ጽምብል በዓል ነጻነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ “ህዝቢ፣ ሰራዊትን መንግስትን ትግራይ ኣብ ነጻነትን ልኡላውነትን
ህዝቢ ኤርትራ፣ ነቕ ዘይብል ጽኑዕ ህዝባዊ መስመሮምን ንጻት ዘይሸራረፍን ቅዋሞም ደጊሞም ብምርግጋጽ እዩ።” ዝብል ኮይኑ
ይርከብ።
ብኻልእ ሸነኽ፡ እቲ ብዝተፈላለዩ ምሁራትን ናይ ማሕበራዊ መድያ ተዋሳእቲ ትግራይን ኣምሓራን ዘዋፍርዎ ልኡላውነት ኤርትራ
ንምጥሓስ ዝስማዕ መግለጺን ባህጊ ቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት ትምኒትን፡ ጸጸኒሑ ዝበሃል ምዃኑ ዘይከሓድ ኮይኑ፡ እዚ’ውን
ዘይቕቡል’ዩ። እቲ ዝያዳ ዝገርም ግን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኢሳያስ “ንስኻ ምርሓና” ኢሉ ዝመረቖ መራሒ ኢትዮጵያ ኣብይ
ኣሕመድ፡ ብምክትሉን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ዝኾነ ደመቀ መኮነን ጌሩ “ውዑል ኣልጀርስ ንኢትዮጵያ ብዘርብሕ ኣገባብ እንደገና
ክረአ ኣለዎ” ክብል ዝሃቦ ወግዓዊ መገለጺ ዝምልከት ካብ ስርዓት ኢሳያስ ዝኾነ ይኹን ግብረ-መልሲ ዘይምስምዑ ኢዩ። ኣብ
ዝተፈላለየ እዋን ዝተቐልቀለ ካርታ ዓባይ ትግራይ’ውን ከም መፈራርሕን መደናገርን ክጥቀመሉ ይፍትን ኢዩ፡ እቲ ዘይከሓድ ሓቂ
ግን እዚ ኩሉ ድልየታትን ትምኒታትን’ዚ ሕጋውን ታሪኻውን ሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ክንኣምነሉን ከነእምነሉን ምክኣል ናትና
ብቕዓትን ብልሓትን ዝሓትት ኢዩ ኢልና ንኣምንን ነረጋግጽን። በዚ መሰረት ድማ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ነካይድን ንህዝብና
ንሕብርን።
ብምዕራባውያን ሃገራትን (ብፍላይ ድማ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ) ብጎረቤትን፡ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝተኣልመ
ክውንን ዘይክውንን ውዲታት እንዳለቓቐብካ ንኤርትራን ካብ ዓለም ምንጻልን፡ ንህዝብታት ኣብ ዘይበርስ ጽልእን ምርሕሓቕን
ንምንባር ዝግበር ቀጻሊ ፕሮፓጋንዳ ዘይብቕዓትን ፍሽለት ዲፕሎማስያዊ ፖሊሲን ዘረጋግጽ’ምበር ፍታሕ ኣየምጽእን ኢልና
ንኣምን። ኤርትራ ኣብ ህያው፡ ሕልኽልኽ ዝበለ ዓለማዊ ስርዓት ትነብር’ምበር ኣብ ጠፈር ትነብር ስለዘይኮነት ብኣህጉራዊ ሕግታት
ክትቅየድን ምርጫኣ ብዲፕሎማስን ብዘተን ከተረጋግጽ ይግባእ ንብል።
ኣብዚ እዋን’ዚ ደጊምና ከነረጋግጾ ንደሊ ካብ ኩናት ዝርከብ ቅዝፈት ሂወትን ምምዝባል ህዝብታትን፡ ዕንወት ትካላትን ቁጠባዊ
ሰረታትን ምዃኑ ጥራይ ኢዩ። ህያው ምስክር ናይዚ ድማ እቲ ንሓደ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተካየደን ዝካየድ ዘሎን
ኩናት ኢዩ። ኣብ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝወረደ ሞት፡ማእሰርትን ምምዝባልን ክሳብ ሕጂ ፍታሕ ዘይረኸበ ስቓይ ኣብ
ዘይፈልጥዎ ከባብን ዘይምልከቶም ኩናትን ተገዲዶም ዝተጠብሱ መንእሰያትና ይሙቱ ይሃልዉ ንክንፍልጥ ጸብጻብ ንጽበየሉ
ዘሎና ኩነት ኢዩ፡ እታ ሃገር ኣትያቶ ዘላ ቅልውላውን ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ናይ ራዕድን ፍርሕን ተስፋ ኣልቦ ሂወት ውጽኢት
ኩናት ኢዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ዝወረደ ዓለም ዘስካሕክሐ ግፍዕን በደልን
ካብ ሓንጎል ወድ ሰብ ብቐሊሉ ዝሃስስ ኣይኮነን። ኣብ ንብረትን ትካላትን ዝተፈጸመ ዕንወትን ዘረፋን ብሕጂ ዝጽብጸብ ኢዩ።
ምስዚ ኩነታት ተተሓሒዙ፡ ዋላ’ኳ ብርግጽ ኣበይን ብመንን ከምዝተፈጸመ ዝተረጋገጸ እንተዘይኮነ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ትሕቲ
ወተሃደራዊ ቁጽጽር ዝኣተዉ ግን መንነቶም ዘይተፈልጡ ዜጋታት ዝተወስደ ጭካኔ ዝመልኦ ናይ ምቕታል ስጉምቲ ዘርኢ ናይ
ቪዲዮ ክሊፕ ከምዝተዘርግሐ ዝዝከር’ዩ። እዚ ኣሰቃቒ ተግባር’ዚ መን ኣብ ልዕሊ መን ከምዝፈጸሞ ብዘየገድስ ክኹነን ዝግበኦ
ስጉምቲ ምዃኑ ንኣምን። ኩናት’ውን እንተኾነ ምስቲ ኣዕናዊ ባይርያቱ፡ ኣተሓሕዛ ምሩኻትን ስዑራትን ክብሪ ሰብኣውነት ዝሓለወ
ክኸውን ዝጸደቐ ኣህጉራዊ ውዑላት ከምዘሎ ንኹሉ ብሩህ ክኸውን የድሊ። ካብዚ ብምብጋስ ኩሎም ኣብ ኩናት ዝስተፉ ወገናት፡
በዚ ውዑላት’ዚ ተማእዚዞም ንምሩኻትን ስዑራትን ሰብኣዊ ክብሪ ዝሓለወ ኣተሓሕዛ ከተግብሩ ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ። ነዚ ኣሰቃቒ
ግፍዒ’ዚ ዘጻሪ ነጻ ኣካል ቖይሙ ፈጸምቲ እዚ ገበን`ዚ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ድማ ንሓትት።
ኣብ መደምደምታ፡ እዚ ኣንጸላልዩና ዘሎ ደበና ዳግማይ ኩናት ኩሉ ዜጋ ብጽሞናን ብክፉት መንፈስን ተገንዚቡ ክቃወሞን
ክኹንኖን ይግባእ ኢዩ፡ እቲ ምርጫታት ኣብ መንጎ ድልየት ለውጥን ድልየት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ፡ ኣብ መንጎ ድልየት
ሰላምን ሰላማዊ ዝምድና፡ ኣብ መንጎ ኩናትን ቀጻሊ ዘይምርግጋእን፣ኣብ መንጎ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካልን ገባቲ ስርዓት
ምቕጻልን ምዃኑ ክንግንዘብ የድልየና።
– ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ናይ ሜድያ ትካላት ብቀጻልነት ክጉስጉስሉ ንጽውዕ፡
– ደገፈቲ እዚ ስርዓት’ዚ ብስም ሃገራውነት፡ ልኡላውነት፡ ስውኣትን ስንኩላንን …ወዘተ ቁጠባዊ እቶት መደለቢ ዝጥቀምሉ
ምህላዎም ንኹንን።
– ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ምንቅስቓሳትን ውድባትን ኣተኩርኦም ናብዚ ኩነታት ክገብሩን ንምኹናኑ ሓባራዊ ተበግሶታት
ክወስዱን ንጽውዕ፡
– መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ንህዝብን ኣመንትን
ከገንዝቡን ክኹንኑን ንጽውዕ፡
– ላዕለዎትን ማእከሎትን መራሕቲ ሰራዊት ኤርትራ ህዝብን ሃገርን ንምድሓንን ሳዕበን ኩናት ብምግንዛብን ክቃወምዎ ንላቦ፡
– ኩሎም ዝለዓሉን ዝተሓቱን ሰራሕተኛታት መንግስትዊ ትካላት፡ ንህዝቦም ክሕብሩን ክኹንኑን ንምሕጸን፡
ሓባራዊ ቃልስና ዋሕስ ዓወትና!
ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት ኢዩ።
ህዝባዊነት፡ ጽምዶ ሓደ ጸላኢ
ዓለም-ለኻዊ ህዝባዊ ምንቅሽቓስ ይኣክል
ግንቦት 30 2022