ወዲ 34 ዓመት ናይ ክንፊ ተጸዋታይ ኣርጀንቲናዊ ኣንጀል ዲማሪያ ናብ ጁቬንቱስ ብናጻ ተሰጋጊሩ። ኣብ 2014 ማንችስተር ዩናይትድ ን ዲማርያ ኣብቲ ጊዜ ክብረ ወሰን ብሪጣንያ ብዝኾነ መጠን ገንዘብ ብ59.7 ሚሊዮን ፓውንድ ካብ ሪያል ማድሪድ ድሕሪ ምስግጋራ፡ ኣብታ ጋንታ ከምቲ ዝሓሰበቶ ዕውት ጊዜ ስለዘየሕለፈ ናብታ 7 ዓመት ዝጸንሓላ ፓሪስ ሴንት ጀርመን ብ 43.3 ሚሊዮን ፓውንድ ምሻጣ ይዝከር።

ዲማሪያ ምስ ፒ.ኤስ.ጂ ኣብ ዝጸንሓሉ ጊዜ፡ 295 ጸወታት ኣካይዱ 92 ሽቶታት ብሽሙ ከቑጽር እንከሎ፡ 112 ንሽቶ ዝኾና ኩዓሳሱ ንደቂ ጋንትኡ ክቐብል ክኢሉ እዩ።

ብተመሳሳሊ ዜና ፈረንሳዊ ናይ ማእከል ተጸዋታይ ፖግባ ናብ ጁቬንቱስ ንኽጽንበር ናብ ከተማ ቱሪን ከምዝኣተወ ተፈሊጡ ኣሎ። ዝሓለፈ ዓመት-ስፖርታዊ ውዕሉ ዝወደአ ወዲ 29 ዓመት ፖግባ፡ ድሕሪ 6 ዓመታት ኣብታ ብዝለዓለ ክብረወሰን (89 ሚሊዮን ፓውንድ) ካብ ጁቬንቱስ ዘፈረመቶ እንግሊዛዊት ክለብ ማንችስተር ዩናይትድ ብምጽናሕ፡ ናብታ ናይ ቅድም ጋንትኡ ኢጣልያናዊት ዓባይ ክለብ ጁቬ ደጊሙ ክጽንበር ክኢሉ ኣሎ።

ጀርገን ክሎፕ ንሓድሽ ኣባል ጋንትኡ ኑኔዝ የድንቕ

ኣሰልጣኒ ክለብ ሊቨርፑል ጀርገን ክሎፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጸወታት ክልተ እግሪ ርብዒ ፍጻመ ሻምፒዮንስ ሊግ ሊቨርፑል ኣንጻር ቤኔፊካ ኣብ ዝገጠመትሉ፡ ብብቕዓት ናይ ቅድሚት ኣጥቀዓይ ክለብ ቤኔፊካ ዝነበረ ኡራጋዊ ዳርዊን ኑኔዝ ተደኒቑ ከምዝነበረ ተዛሪቡ። ኣብቲ ናይ ክልተ እግሪ ጸወታ፡ ኑኔዝ ኣብ ክልቲኡ እግሪ ጸወታ ሽቶ ከመዝግብ ክኢሉ ኔሩ።

“ኣብ ሜዳ ክጻወት ክትርእዮ እንከለኻ ናይ ብሓቂ ባህታ ኢዩ ዝፈጥረልካ፡ ንዕኡ ክነፈርሞ ዕድል ብምርካብና ኣዚና ሕጉሳት ኢና” ይብል ክሎፕ።

ሊቨርፑል ነዚ ወዲ 23 ዓመት ዓጥቃዓይ ዝሓለፈ ወርሒ ሰኔ፡ ቀዳማይ እብረ ክፍሊት ማለት 64 ሚሊዮን ፓውንድ ከፊላ’ኳ ዓዲጋቶ እንተነበረት፡ ኣብዚ ሕጂ ጊዜ ግን ዋግኡ 85 ሚሊዮን ፓውንዶ ከምዝበጽሐ ይንገር ኣሎ።
ብተወሳኺ ክሎፕ፡ ሓድሽ ኣባል ክለባ ዝኾነ ናይ የማን ተኸላኻላይ ካልቪን ራምሴይ መጉዳእቲ ከምዝገጠሞን ክሳብ ሕጂ ምስ ሊቨርፑል ልምምድ ከምዘይገበረን ተዛሪቡ።