ቼልሴ ንስተርሊንግ ካም ማን ሲቲ ንምፍራም ተሰማሚዓ
እንግሊዛዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ራሂም ስተርሊንግ፡ ኣብ ስታንምፎርድ ብሪጅ ንሓሙሽተ ዓመታት ክጸንሕ ከምዝተሰማምዐ ይግለጽ ኣሎ። ማንችስተር ሲቲ ካብዚ ምስግጋር 50 ሚሊዮን ፓውንድ ካብ ቼልሲ ንክትወሃብ ተሰማሚዓ።
ገና ናይ ሓደ ዓመት ውዕል ምስ ማንችስተር ሲቲ ዝነበሮ ወዲ 27 ዓመት ስተርሊንግ፡ ብዓበይቲ ክለባት፡ ሪያል ማድሪድ፡ ባርሴሎና፡ ባየር ሙኒክን ካልኦትን ክህደን ከምዝጽንሐ ይፍለጥ። ኣብ 2015 ብ 49 ሚሊዮን ፓውንድ ካብ ሊቨርፑል ናብ ሲቲ ዝተጸንበረ ስተርሊንግ፡ ን ሲቲ 339 ጸወታታት ኣካይዱ፡ 131 ሽቶታት ከመዝግብ’ከሎ፡ 65 ንሽቶ ዝኾና ኮዓሳሱ ንደቂ ጋንትኡ ኣቐቢሉ ኢዩ።
ን ቤልጄማዊ ሮሜሎ ሉካኩ ናብ ኢንተር ሚላን ብለቓሕ ዘፋነወት ቼልሲ፡ ን ራሂም ስተርሊንግ ብምፍራም ንመስመር መጥቃዕቲ’ታ ጋንታ ክተደልድሎ ከምዝደለየት ኣሰልጣኒ ቼልሲ ቱቼል ይዛረብ። ሉካኩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ-ስፖርት፡ ኣብ ኩሉ ጸወታታት 15 ሽቶታት ብምምዝጋብ ኮኾብ ኣመዝጋቢ ሽቶ ቼልሲ ኮይኑ ክጽዋዕ ክኢሉ ኢዩ።
ፐፕ ጋርዲዮላ ኣብ 2016 ን ማንችስተር ሲቲ ምስልጣን ካብ ዝጅምር፡ ኣርጀንቲናዊ ሰርጂዮ ኣውጌሮ ጥራይ ኢዩ ንስተርሊንግ ብብዝሒ ሽቶታት ምምዝጋብ ዝበልጾ። ኣውጌሮ 124 ሽቶታት ከምዝግብ ‘ከሎ፡ ስተርሊንግ ኸኣ 120 ሽቶታት ከምዝግብ ክኢሉ ኢዩ።
ስተርሊንግ ዝሓለፈ ዓመተ-ስፖርት 2021/22 ካብ ዝተጻወተን 30 ናይ ፕሪሚየር ሊግ ግጥማት፡ 13 ሽቶታት ብምቑጻር፡ ንራብዓይ ጊዚኡ ተዓዋቲ ፕሪሜር ሊግ ክኸውን በቂዑ ኢዩ። ብጠቕላላ ስተርሊንግ ን 7 ዓመታት ኣብ ሲቲ ኣብ ዝጸንሓሉ፡ 9 ዓበይቲ ዋናጩ ከልዕል ክኢሉ ኣሎ።
ተወሳኺ ዜና ምስግጋር ተጻወቲ ኤውሮፓ፡
እንግሊዛዊት ክለብ ሳውዝ ሃምፕተን ንናይጄሪያዊ ናይ ማእከል ተጻዋታ ጆ ኣሪቦ ካብ ሬንጀርስ ብኣስታት 6 ሚሊዮን ፓውንድ ዓዲጋቶ።
ኖቲንግሃም ፎረስት ንእንግሊዛዊ ትሕቲ 21 ዓመት ናይ መስመር ተኸላኻላይ ኦማር ሪቻርድስ ብ10 ሚሊዮን ፓውንድ ካብ ባየር ሙኒክ ኣፈሪማቶ።
ብሬንትፎርድ ንስኮትላንዳዊ ተኸላኻላይ ኣሮን ሂኪ ካብ ጣልያናዊት ክለብ ቦሎኛ ብ 17 ሚሊዮን ፓውንድ ኣፈሪማቶ።