ካታሎንያዊት ክለብ ባርሴሎና፡ ንናይ ሊድስ ዩናይትድ ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ብራዚላዊ ራፊና ብ 65 ሚሊዮን ፓውንድ ክተፈርሞ ምስምማዓ ይግለጽ ኣሎ። እዚ ብብዙሓት ክለባት ኤውሮጳ ሽሙ ክለዓል ዝጸንሐ ወዲ 25 ዓመት ራፊና፡ ንሊድስ ዩናይትድ 65 ጸወታት ኣካይዱ፡ 17 ሽቶታት ከመዝግብ’ከሎ፡ 12 ሽቶ ዝኾና ኮዓሳሱ ድማ ንደቂ ጋንትኡ ኣቐቢሉ።

ቸልሲ ነዚ ብራዚላዊ ክተፈርሞ ተቓሪባ’ኳ እተነበረት፡ ባርሴሎና ነቲ ኣቐዲማ ዝቐረበቶ መጠን ገንዘብ ክብ ክተብሎ ስለዝኸኣለት፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ጊዜ ራፊና ሓሳቡ ቐይሩ ናብ ባርሳ ክጽንበር ከምዝወሰነ ይንገር ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ዜና ምስግጋር ተጻወቲ፡ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ማንችስተር ዩናይትድ ኤሪክ ቴን ሃግ፡ ንናይ ማእከል ተጻዋታይ ክለብ ባርሴሎና ሆላንዳዊ ፍራንኪ ዲዮንግ ንምፍራም ክቱር ድሌት ከምዘለዎ ገሊጹ። ማን ዩናይትድ ነዚ ተጻዋታይ ናብ ኦልድ ትራፎድ ክተግዕዞ ደጋጊማ ፈቲና’ኳ እንተነበረት ክሰልጣ ኣይከኣለን። እንተኾነ፡ ባርሴሎና ንብራዚላዊ ራፊና ናብ ካምፕ ኑ እንተኣምጺኣቶ፡ ንዲዮንግ ክተፋንዎ ክምትኽእል ይግመት።

ፕረዚደንት ክለብ ባርሴሎና ላፖርታ፡ ዲዮንግ ኣብ ባርሴሎና ከምዝጸንሕን፡ ከምዘይሽየጥን’ኳ እንተተዛረበ፡ ኣብታ ክለብ ንዘጋመመ ቅልውላው ባጀት ንምሽፋን ግን ንዲዮንግ ብ56.2 ሚሊዮን ፓውንድ ኽሸጦ ከምዝኽእል ብዙሓት ማዕከናት ዜና  ይገለጻ ኣለዋ።

ካልኦት ሓጸርቲ ዜና ምስግጋር ተጻወቲ……..

 ቸልሲ ንናይ ባየር ሙኒክ ተጻዋታ ሰርጅ ናብሪ ክተፈርሞ ከምትደሊ ሓቢሪ። ብተወሳኺ እታ ክለብ ምስ ኤሲ ሚላን ንተጻዋታያ ሃኪም ዚየክ ንክትሸጦ ትዘራረብ ከምዘላ ዴይሊ ሜይል ሓቢራ።
 ፒ.ኤስ.ጂ ንናይ ሳሱሎ ወዲ 23 ዓመት ተጸዋታይ ጂያንሉካ ስካማካ ብ38.1 ሚሊዮን ፓውንድ ክተፈርሞ ከምተቓረበት ይግለጽ ኣሎ። ዳይሬክተር እዛ ክለብ ኣንቴሮ ኤንሪክ ናይዚ ኢጣልያዊ ተጻዋታይ ምስግጋር መስርሕ ንኽዛዝሞ ናብ ሚላን ከምዝኸደ ተፈሊጡ።
 ኣርሰናል ንሓላዊ ልዳታ በርንድ ሌኖ ንፉልሃም ንምፍናው ዝሓተተቶ መጠን ገንዘብ 11ሚሊዮን ፓውንድ ከምዝበጽሕ ተገሊጹ። ኣብ 2018 ነዚ ሓላው ልዳት ካብ ባየርሙኒክ ዘፈረመት ኣርሴናል፡ ነዚ ወዲ 30 ዓመት ተጻዋታይ ዝጠለበቶ መጠን ገንዘብ ኣዝዩ ከምተጋነነ ምዃኑ ‘ስካይ ጀርመኒ’ ሓቢራ።